ዜና - ድምጺ ኣመሪካ

መግለጺ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ማይክ ፖፐይ ኣብ ሽልማት ኖበል ሰላም ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ

ኣሜሪካ ቀዳማይ ሚንስትር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ መበል 100 ተሸላሚ ኖበል ሰላም ብምዃኖም እንኳዕ ሓጎሰኩም ትብል። ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ሰላም ኣብ ምፍጣር ዘለዎም ተወፋይነትን ምስ ኤርትራ ዝነበረ ግጭት ንምዝዛም ዝወሰድዎ ስጉምቲ ትብዓት: ብርታዓ :መሪሕነት ዘርእይ'ዩ። ነዚ ኣገዳሲ ፍጻመ ድማ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣህጉር ኣፍሪቃን ብምዃን ክንጽብል ኢና። ሎሚ ብተስፋን ዝተመልኣ ሓድሽ ወለዶ ኣፍሪቃዊያን ንብልጽግናን መጻኢ ሰላም  ይረአ  ኣሎ። ናይ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ጻዕርታት ንሰላምን ምሕያል ዲሞክራሲን ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ንመራሕቲ ሃገራት ዓለም ኣብ ዞባታቶምን ሃገራቶምን ል ኡኻት ኣወንታዊ ለውጥ ክኾኑ ዘበራትዕ'ዩ። ኮሚተ ሽልማት ኖበል ድማ ቀ/ሚ ኣብይ ኩናት ኣብ ዓለም ከብቕዕን ሰላም ኣብ ምስፋንን ዘካየድዎ ጻዕርታት ኣፍልጦ ምሃቡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ማይክ ፖፐይ ንኢዶም።

ርእይቶ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ሽልማት ኖብል ሰላም ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚንስትር ዶ/ር ኣብዩ ኣሕመድ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም  2019 ብምኻኖም መንግስቲ ትግራይ ዝተሰመዖ ሓጎስ ገሊፁ::       ኣብቲ ሽልማት ጠሚቱ እውን ርእይቶ ነበርቲ ከተማ መቐለ ሓቲትና ኣለና::       ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::    

123 ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ናብ ኪጋሊ ምግዓዞም ተፈሊጡ

ትማሊ ሓሙስ 123 ስደተኛታት ካብ ሊቢያ  ናብ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ምእታዎም ተፈሊጡ።እዚ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ዝተኻየደ ካልኣይ ናይ ምውፃእ ወፍሪ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ከምዘሳለጦ ተፈሊጡ’ሎ።ዘድልይ ህይወት ኣድሕን ሓገዛት ከምዝተውሃቦም እውን ተሓቢሩ። እቶም ስደተኛታት መብዛሕቲኦም ኤርትራዊያን ምዃኖምን ውሑዳት ሶማልያዊያን፣ኢትዮጵያዊያንን ሱዳናዊያንን እውን ከምዝርከቡዎም ተፈሊጡ’ሎ። 59 ካብኦም ካብ ስድኦም ዝተፈለዩ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዑ እዮም።እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ወዲ ሸሞንተ ወርሒ ህፃን እዩ።

ሪኢቶ ዓለም

ሪኢቶ ዓለም

ናይ ኣዲስ ኣበባ ቤት ምኽሪ በዓል ሕድሪ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣካል ድሕሪ ፅባሕ ሰንበት ላማዊ ሰልፊ ምፅውዑ ኣፍሊጡ

ናይ ኣዲስ ኣበባ ቤት ምኽሪ በዓል ሕድሪ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣካል ድሕሪ ፅባሕ ሰንበት 2 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰላማዊ ሰልፊ ምፅውዑ ሎሚ ዓርቢ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መገልፂ ኣፍሊጡ። ናይቲ ቤት ምኽሪ መግለፂ ብዙሕ ዋጋ ዝተኸፍሎ ናይ  ዲሞክራስን ፍትሕን ሕቶታት ኣብ ውሽጢ ገዛኢ ፓርትን ካብ ገዛኢ ፓርቲ ወፃኢ ብዘለውን ፅንፈኛታት ምጥላፉ ንምቅዋምን ገዛኢ ፓርቲ ኣካይድኡ ብቕልጡፍ ከሰተኻኽልን ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምፅውዑ ይሕብር። ብ ኣተሓሳስብኦምን ፖለቲካዊ እምነቶምን ዝተኣስሩ ከምዘለው ብምሕባር እዞም እሱራት እዚኦም ብቕልጡፍ ክፍትሑን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ ረብሓ ኣለና ዝብሉ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ንምቅዋምን ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ማዕረ መሰል ከምዘለዎም ንምትሕስሳብን ካብ ዕላማታት ናይቲ ሰልፊ ገሊኦም ምዃኖም ይሕብር። እቲ ቤት ምኽሪ መግልፂ ይህብ ኣብዘነበረሉ እዋን ካብ ቀፅሪ እቲ ቤት ፅሕፈት ወፅእ ኢሉ ኦሮምኛ ዝዛረቡ መናእሰይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እናስምዑ ንምርባሽ ፈተነ ክገብሩ ይርኣዩ ከምዝንበሩን ፖሊስ እውን ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ከምዝነበረን ተፈሊጡ’ሎ። መራሒ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ እስክንድር ነጋ እቶም ዝቃወሙ ዘለው ሓሳቦም ናይ ምግላፅ መሰል ኣለዎም፣ከምኡ ምግባሮም ቅሬታ የብልናን ብስርዓት ክኸውን ጥራሕ ኢና ንደልዮ ክብል መሊሱ’ሎ።መራኸቢ ብዙሃንን ማሕበራዊ ሚዲያን ግጭት ካብ ዘለዓዕሉ ፀብፃባት ካብ ምሕላፍ ክዕቀቡ ነቲ ሰልፊ ዝፅውዑ ወገናት ምሕፅንታ ኣቕሪቦም ኣለው ።

ካልኦት ብዛዕባ ሽልማት ኖቬል ሰላም ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝሃብዎ ሪኢቶ

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ‘ኣብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ንፋስ ተስፋ ይነፍስ ኣሎ’ ክብሉ ከለው ‘ራኢዮም ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝተበጽሐ ታሪኻዊ ስምምዕነት ወሳኒ ተራ ከምዝነበሮ’ ጠቐሱ። ላዕለዋይ ኮምሽነር ጉዳይ ስዱዳት ፍሊፖ ግራንዲ ‘እቶም ቀ/ሚ ሰላም ናብ ሃገሮምን ኣብ’ቲ ዞባን ንክዓስል ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ዝሃበ’ዩ’ ኢሎም። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ‘እቲ ሽልማት ፍረ ጻማ ኣብ ጻዕሪታት ሰላምን ዓለም-ለኻዊ ርክባትን ነቲ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ግጭት ናይ ዶብ ንከብቕዕ ስለዝሓገዙ’ ምዃኑ ጠቒሱ። ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪቅ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኬረን ባስ ብወገነን ‘ንቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ እንኳዕ ኣሓጎሶም ምስ በላ፣ እቲ ንኡስ መራሕ ኣብ ኢትዮጵያን መላእ እቲ ዞባን ሰላምን ዕርቅን ንክምለስ ንዘለዎ ጻዕሪ ዝግበኦ’ዩ’ ኢለን። መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ሽልማት ኖቬል ሰላም ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ዛጊድ የለን። ናብ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ደዊልና’ውን ኣይሰለጠናን። እንተኾነ ኣብ ጃፓን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ እስጢፋኖስ ኣፈወርቂ ‘ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቬል ሰላም ስለዝተዓወትካ እንኳዕ ደስ በለካ። ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብደሞም፣ ራሃጾምን ንብዓቶምን ኣብ ልዕሊ ክፉእ ተዓዊቶም’ዮም’ ዝብል መልእኽቲ ብትዊተር ፈንዮም።  

መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንሽልማት ሰላም ኖብል 2019

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተዓወትዎ ሽልማት ሰላም ኖቤል ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝብርከት ናይ ዕድል ሽልማት እዩ ክብል ቤት ፅሕፈቶም ኣፍሊጡ። ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ፕረስ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ሽልማት ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕል እዩ ኢሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ሽልማት ኖበል ሰላም ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክቡር ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሰላምን ዓለምለኸ ምትሕብባር ንምጉንጻፍንዝካየድዎ ጻዕርታትን ምስ ጎረቤት ኤርትራ ዝነበረ ግጭት ንምፍታሕ ዝወሰድዎ ወሳኒ ስጉምታትን መበል  100 ተሸላሚ ኖበል ሰላም ብምዃኖም እንዃዕ ሓጎሰኹም ይብል:ነዚ ዘኹርዕ ፍጻመ ድማ ምስ ኩሎም ኢትዮጵያዊን ኮይና ክንጽንብል ኢና ኢሉ። እዚ ሽልማት ድማ ኣብ መሪሕነት ቀ/ሚ ኣብይ ዘመዝገቡ ምዕባለታት ዘርእይ እዩ ዝበለ መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ'ቲ ምስ ኤርትራ ዝተኻየደ መስርሕ ስላም: ፖለቲካዊ ባይታት ኣብ ምፍጣር: ነጻነት ፕረስኣ ብ ምሕያል: ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካ ከምኡ'ውን ቁጠባ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ዝስርሑ ስርሓት መርኣያ ዝካየዱ ጻዕርታት'ዮም ኢሉ። ኣሜሪካ ድማ መንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ ዲሞክራሲያዊት ብልጽግቲ ሃገሩ ኣብ ምህናጽ ደገፉ ከምዘበርኽት ንገልጽ።

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተሸላሚ ስልማት ኖቤል ሰላም 2019 ኮይኖም

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ሰላም ኣብ ምፍጣር ብዘካየድዎ ጻዕርታት ተሸላሚ ስልማት ኖበል ሰላም 2019 ኮይኖም። ኣደ መንበር ኮሚተ ኖበል ስልማት ሰላም በሪት ሪስ ኣንደርሰን: ቀ/ሚ ኣብይ ነዚ ስልማት ዝበቕዑ ናብ መዝነት ድሕሪ ምምጽኦም ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ምስ ኤርትራ ዝጸንሓ ግጭት ንምፍታሕ ጻዕርታት ብምክያዶም እዩ ኢለን። ኖርወጃዊ ኮሚተ ኖቤል ሽልማት ሰላም ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ቀዳሞት 100 መዓልታት መዝነቶም "ኣብታ ሃገር ዝነበረ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣብ ምልዓል፥ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣብ ምፍታሕ: ኣብ መሓውራት ዜና ዝነበረ መመያ ኣብ ምምሕያሽ: ተቓወምቲ ውድባት ናብ ሃገር ክኣትው ኣብ ምፍቓድ፥ ብብልሽውና ዝተኸሱ ሰበ ስልጣን ኣብ ምእላይ: ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መዝነት ኣብ ምዕዛዝ" ሰሪሖም'ዮም ይብል። እቲ ኮሚተ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝጀመረ ዲሞክራሲ ኣብ ምሕያል ብዙሕ ስራሕ ከምዝተርፍ ብምግላጽ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ሰላም ድማ ኣብ ክልቲኣን ሃገራት ብዙሕ ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዝህልዎ ሓቢሩ'ሎ። ሽልማት ኖቤል ሰላም ቀ/ሚ ኣብይ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምብራቕን ሰሜን ምብራቕ ኣፍሪቃንንዘካየዶ ናይ ሰላምን ዕርቂን ተሳትፎ'ውን ኣፍልጦ ሂቡ'ሎ። እቲ 900ሽሕ ዶላር ሽልማት ኖቤል ታሕሳስ 10 ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ክወሃብ'ዩ።  ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ንናይቲ ኮምቴ ምርጫ ንኢዶምዎ። ንሶም  ሎሚ ዓርቢ ኣብዘውፅእዎ መግለፂ “ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ብዝሓሸ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ናይ ተስፋ ንፋስ ይነፍስ ኣሎ ክብል ፀኒሐ ኣለኹ፤ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምዚ ክሓስብ ካብዝገበሩኒ ምኽንያታት ሓደ እዮም’’ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ኣብ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሃነፀ “ፓርክ ሓድነት’’ ተመሪቑ

ኣብ ውሽጢ ዓብዪ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሃነፀ “ፓርክ ሓድነት’’ መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኸብሉ  ሎሚ ሓሙስ ተመሪቑ፡ንህዝቢ ክፉት ክኸውን እውን ትፅቢት ይግብር።  ካብ ዳግማዊ ሓፀይ ምኒሊክ ክሳብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዘለው መራሕቲ ንልዕሊ 130 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዘመሓደርሉ ካብዚ ዓብይ ቤተ መንግስቲ እዩ። ካብ ሓፀይ ምኒሊክ ክሳብ ልጅ እያሱ፣ካብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ክሳብ መንግስቱ ሃይለማሪያም፣መለስ ዜናዊ፣ ሃይለማሪያም ደሳለኝን ኣብይ ኣሕመድን ማእኸል ፖለቲካ እታ ሃገር እዩ። ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊት ክፍሊ ፕሬስ  ዓውዲ ናይ ወፃኢ ቋንቋን ዲጂታልን ብለኔ ስዩም ክትቐርቦ ዘይፍቀድን ካብ ርሑቕ ዝፍራሕን ናይዚ ቐፅሪ ኣተሓሕዛ ግን ክንዲ ሽሙ ኣይነበረን ይብላ ። ንሰን ወሲኸን ምዝዛም ህንፀት ፓርክ ሓድነት ናይቲ ቤተ መንግስቲ ክፉት ምዃኑ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ትርጉም ኣለዎ ይብላ።። “ኢትዮጵያዊያን ቅድሚ ሎሚ በዚ ክሓልፉ ኣዚዮም ዝፈርሑዎ፣ንህዝቢ ዕፁው ዝነበረ፣እቲ ቦታ መእከቢ ዝኣረጉ ኣቑሑት ዝነበረ፣ዘይስሕብ፣ኣብዚ ዘሎ ብዙሕ ታሪኽና ምልስ ኢልና ዘይንርእየሉ ዝነበረ ምስ ምዃኑ ክኽፈት ከሎ ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ።ታሪኽና ክንፈልጥ ዝገብር እዩ።” እቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዝተዛዘመ እውን ቢልለኔ ስዩም ሓቢረን።ፓርክ ሓድነት ተፈጥሮኣዊ፣ባህላዊ፣ፖለቲካውን ታሪኻውን ክብርታት ዝሓቖፈ እዩ። ኣብ ውሽጢ 130 ዓመታት ሸውዓተ መራሕቲ ዘተኣናገደ ቤተ መንግስቲ ኣብዚ እዋን ዝነበሩ ኣወንታውን ኣሉታውን ታሪኻት እውን ይዝንትው። ናይ ኢትዮጵያ ሓዊሱ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተሳተፍሉ ስነስርዓት ምረቓ ‘ኣስናቀች’ ብዝብል ስም ዝፅዋዕ ናይ ሓፀይ ምንሊክ ናይ ግብሪ ኣዳራሽ እዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ስነ ስዓት መራሕቲ ኬንያ፣ኡጋንዳ፣ሶማልን ሱዳንን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም ኔሮም። ፓርክ ሓድነት ካብ ዝቕጽል ሰሙን ንህዝቢ ክፉት ከምዝኸውን ተፈሊጡ’ሎ።   ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።   

ማዕከላይ ኮሚቴ ህውሓት ስሩዕ ኣኼብኡ ጀሚሩ

ማዕከላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሰሩዕ ኣኼብኡ ትማሊ ጀሚሩ:: ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተጀመረ እቲ ኣኼባ ንኣርባዕተ መዓልታት ከምዝጸንሕ ተፈሊጡ’ሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ኣብ ከተማ መቐለ ተንቀሳቓሲ ክሽነ ብምስራሕ ብቕልጡፍ ክበጽሑ ዝኽእሉ መግብታት ዘዳልው መንእሰያት

ኣብ ጎደና ተንቀሳቃሲ ክሽነ ሰሪሖም ብቕልጡፍ ክበፅሑ ዝኽእሉ መግብታት 'ፋስት ፉድ' ብምድላው ዝሸጡ ክልተ መናእሰይ ኣሕዋት ክነላልየኩም::   ኣብ ከተማ መቐለ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝጀመርዎ እዚ ስራሕ: ኣብዚ ሐዚ ፍርያቶም ብሰባት ተቐባልነት ይረክብ ከምዘሎ እቶም መናእሰይ ተዛሪቦም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ርእይቶ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ኣብ መግለጺ ቀ/ሚ ነታንያሁ

ዘ  ታይምስ ኦፍ እስራኤል ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2,2019 ሕታሙ ቀ/ሚ እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ  ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ንምትሕብባር ምስ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምዝርራቦም ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኡ ኔሩ። እቲ ጋዜጣ ኣብቲ ጸብጻብ ቀ/ሚ ነታንያሁ ነዚ ጉዳይ ንሓንቲ አባል  ፓርላም ፓርቲ ሉኩድ ክዛረቡ ዘርእይ ቪድዮ’ውን ሓቢሩ ኣውጺኡ’ሎ።   ድምጺ ኣሜሪካ ነዚ ጉዳይ ንምጽራይ ኣብ ዘካየዶ ጻዕርታት ምንጭታት ካብ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተኻየደ ርኽብ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ እስራኤል እዚ ጉዳይ ከምዘይተላዕለ ሓቢሮም ኣለው። ነዚ ብዝምልከትን ንኩነታት እቶም ስደተኛታት ኣብ እስራኤልን ንምጽራይ ንዝሓለፈ ኣስታት 8 ዓመታት ኣብ እስራኤል ዝነበረን ኣብ ማእከል ምዕባለ ስደተኛታት ኣፍሪቃ(ARDC)  ከም አተሓባባሪ ኾይኑ ዝሰርሕ ዘሎ  ተክሊት ተከስተ ኣዘራሪበዮ ኣለኹ።   ብተመሳሳሊ ንዝሓለፈ 9 ዓመታት ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ተክሊት  ሚካኤል ብወገኑ ርእይትኡ ሂቡ’ሎ። ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወጸ ጸብጻብ ኣስታት  24,000 ኤርትራዊያን ከሙ’ውን ኣስታት 8.,000 ሱዳናዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ እስራኤል ይነብሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።    

ኦዲፓን ኢዜማን ዝፀንሐ ቅርሕንት ብምልዓል ሰላምን ምርግጋእን ከይህሉ ይፅዕሩ ኣለው ንዝበልዎም ሓይልታት ኣውጊዞም

ፓርቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ እቲ ለውጢ ዝተረኸበ ብምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝዘንግዑ፣ ዝፀንሐ ቅርሕንት ብምልዓል ሰላምን ምርግጋእን ከይህሉ ይፅዕሩ ኣለው ዝበሎም ሓይልታት ኣውጊዙ። ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ እውን ተመሳሳሊ መግለፂ ኣውፂኡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ንተጋሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ተባሂሉ ዝተጣየሸ ምንቅስቓስ ንማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርብ ፊርማ የተኣኻኽብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

'ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ንተጋሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት' ተባሂሉ ዝተጣየሸ ምንቅስቓስ ንማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርብ ፊርማ የተኣኻኽብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ:: እቲ ምንቅስቓስ ልዕሊ 20 ሽሕ ፊርማ ብምትእኽኻብ 'ብምኽንያት ብሄሮም ዝተኣሰሩ ተጋሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት" ጉዳዮም ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝቐረብ ተሓቢሩ:: ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ  ኣብዚ ጉዳይ ተሓቲቱ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ፖለቲካን ብሄርን ዝተኸሰሰ የለን ክብል መልሲ ሂቡ’ሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ክልል ትግራይ፡ ህዝቢ ዓዲ ዳዕሮ ድምፅና ይሰማዕ ክብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ

ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዋና ከተማ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ክልል ትግራይ ፍትሒ ሲኢና ብምባል ድምጽና ይሰማዕ ዝብሉ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።ኣብ ገምጋማዊ ፅሬት ዝቀነየ  ነባሪ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ቤት ፍርዲ ወረዳ  ላዕላይ ኣድያቦ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ መጥቓዕቲ ንዘብፀሐ አባል ፖሊስ ብዋሕሰ ብምልቃቑ ተቃውሞኦም ንምግላፅ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዶም ሓቢሮም ኣለው። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ንኣተሓባባሪ እቲ ሰልፊ ሌተናል ኮረኔል መኮነን ኣማረን ንምክትል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ኣዘራሪብና ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ሓደን ብሕታዊን ተኸታሊ እምነት ክርስትያን አባል ገዛኢ ቤት ምኽሪ ሉአላዊነት ሱዳን ቃለ መሓላ ፈጺሙ

ሱዳን ንሓደ ተኸታሊ እምነት ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ክሪስትያን ኣባል ልኡላዊ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ  መንግስቲ ጌይራ ምሻማ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ትሕቲ ናይ ቀደም ፕረዚደንት ዑማር ኣል-በሽር ንዓሰርተታት ዓመታት ዘሕለፉዎ ጭቆና ኣብቂዑ ማዕረ መሰላት ክረጋገፀሎም ተስፋ ዝህብ ኾይኑ ኣሎ። እቲ ሓደን ብሕታውን ክርስቲያን ኣባል ገዛኢ ቤት ምኽሪ ልኡላውነት ኮይኑ ቃለ ምሓላ ምፍፃሙ ሱዳናዊያን ኣመንቲ ክርስትና ታሕጓሶም ገሊፆም ኣለው። ኮፕቲክ ክሪስትያን ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሱዳናዊያን ኣመንቲ ክርስትና ዝሓቖፈ ዝዓበየ ማሕበረሰብ ክርስቲያን እዩ። 11 ኣባላት ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ሉአላዊነት ኣብ ስልጣን ዝፀንሐሉ እዋን ንሰለስተ ዓመት እንተኾነ እውን ራጃ ኒኮላ ኢሳ ዓብዱል-ማሲሕ ምምራፁ ብብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ከም ነጥቢ መቐይሮ ተወሲዱ’ሎ።ስዓቢ ኮፕቲክ ዝኾነ ኣሚር ጆሴፍ ሱሌማን ሱዳናዊያን ክርስቲያን ኣብ መንግስቲ ድምፂ ክህልዎም ንነዊሕ እዋን ክቃለሱ ከምዝፅነሑ ይገልፅ። ንሱ ብተወሳኺ   ምዕራፍ ሃይማኖታዊ ዓፈና ንሓልፎ ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ።ሽመት ራጃ ኒኮላ ንሱዳናዊያን ስዓብቲ ክርስትና ጥራሕ ዘይኮነስ ንሱዳን እውን ነፃነት እዩ  ክብል ርእይትኡ ሂቡ’ሎ።

ሰራዊት ቱርኪ ንሓይልታት ኩርዲስ ካብ ሶርያ ንምጽራግ ወታሃደራዊ ስርሒት ጀሚሩ

ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ሶሪያ ንዝርከቡ ዒላማታት ኩርዲስ የጥቕዑ ኣብዘለውሉ ሕጂ እዋን ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝርከቡ ተዓዘብቲ ግን ኣሜሪካ ንኩርዳዊያን መሻርኽታ ክሒዳ ክብሉ ሻቖለቶም ይገልፁ ኣለው። ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ንኩርዳዊያን መሻርኽታ ከዲዓ ንዝብል ክሲ ይነፅጉዎ።ጆርዳናዊ ተንታኒ ዑስማን ኣል-ሸሪፍ ኩርዳዊያን ፊት ንፊት ኣባል ኔቶ ምስዝኾነት ሓያል ሃገር ክገጥሙ ገዲፋቶም ምውፅኣ ኣብ ፕረዚደንት ትራምፕ እምነት ንምሕዳር ኣፀጋሚ እዩ፤ንካልኦት ናይቲ ዞባ መሻርኽታ እውን ሓደገኛ መልእኽቲ ዘሕልፍ እዩ ይብል። ቱርኪ ንሓይልታት ኩርዲስ ካብቲ ከባቢ ንምፅራግ ነዊሕ ዝፀንሕ ወታሃደራዊ ስርሒት ጀሚራ’ላ።ናይ ቱርኪ ፕረዚደንት ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን ስርሒት “ፅዲያ ሰላም’’ ኢሎም ዝፀውዕዎ ወታሃደራዊ ወፍሪ ምጅማሩ ሎሚ ረቡዕ ኣዊጆም ኣለው።  

'ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኦሮምያ ምስ ዘሎ ሓይሊ ንገብሮ ኹናት አማራጺ ብምስኣና ሕጊ ንኸነኽብር ተገዲድና ዝአተናዮ’ዩ' ጀነራል ብርሃኑ ጁላ

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኦሮምያ ምስ ዘሎ ሓይሊ ንገብሮ ኹናት አማራጺ ብምስኣና ሕጊ ንኸነኽብር ተገዲድና ዝአተናዮ’ዩ ክብሉ ምኽትል ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ምክልካል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቦም። ጀነራል ብርሃኑ ምስ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ መንግስቲ ድልው’ዩ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም መንግስቲ ነቲ ጸገም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሖ’ዩ ብዝብል ኣርባዕተ ወርሒ ምሉእ ስቕ ኢሉ ክዕገስ ከሎ ንሳቶም ግን ተወዲቦም ነቲ ከባቢ ተቆጻጺሮም ኔሮም ኢሎም። "ደሓር ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ይሰራሕ ተባሂሉ፡ እቲ ስራሕ ምስተተግበረ ሎሚ ወለጋ ናጻ ወጺኡ’ሎ። ናብ ንቡር ተመሊሱ’ሎ። ሕጂ ዘሎ ጸገም ፍርቂ ኢዱ ሂቡ’ዩ ፍርቂ ተማሪኹ’ዩ። ፍርቂ’ውን ኣብ ኹናት ዘጋጥም ሞት አጋጢምዎ’ዩ። ብኹናት ደረጃ ምንቅስቃስ ግን የለን።” ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ግብጺ፡ ንዓለምለኸ መንጎኝነት ኣብ ልዝብ ግድብ ህዳሴ ትጽውዕ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ንመርገጺ ግብጺ ትነጽግ

ግብፂ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝካየድ ዘሎ ሱሉሳዊ ልዝብ ዘድልይ ምዕባለ ብዘይምርካቡ ዓለምለኸ ሸምግልና(መንጎኝነት) ክሕወሶ ፀዊዓ።ኢትዮጵያ ብወገና ግብፂ ዝሓዘቶ መርገፂ ንናይ ኢትዮጵያ ቀይሕ መስመር ዝጥሕስ እዩ ክትብል ነፂጋቶ’ላ። ኣብ ኣብ ማእከል ስትራትጀያዊ መፅናዕቲ ኣፍሪቃ ዳይረክተር  ክፍሊ ምርምር ዝኾኑ ጆሴፍ ሲየገል ግብፂ እቲ ልዝብ ፖለቲካዊ መልክዕ ትሕዞ ኣላ ይብሉ። “ግብፂ ነቲ ልዝብ ናብ ፖለቲካዊን ዓለምለኻዊን መድረኽ ከተማዕብሎ ትፍትን ዘላ ትመስል።ኣብቲ ልዝብ ይሳተፋ ዘለዋ ግብፂ፣ሱዳንን ኢትዮጵያን እቲ ግድብ ምምልኡ ክቕፅል ከምዘለዎን ኣብ ቴክኒካዊ ነገራትን  ዝምልከት ድማ ንዓመታት ሃናፂ ዝርርብ ከካይዳ ፀኒሐን እየን።... ግብፂ ሎሚ እቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ ማእዝን ክሕዝ ትደሊ’ላ።” ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዝቐፀለ ልዝብን ምትሕብባርን ከም እትድግፍ ኣብ ቀረባ ገሊፃ እያ።እቲ ወጥሪ ንምህዳእ ኣሜሪካ ክህልዋ ብዛዕባ ዝኽእል ተራ ዝተሓተቱ ሲየገል ከምዚ ይብሉ። “ኣሜሪካን ካልኦት ዓለምለኸ ተዋሳእትን ናብ ፖለቲካዊ መዳይ ናይዚ ልዝብ ክኣትው የብሎምን።ግብፂ ዓለምለኸ ተዋሳእቲ ናብቲ ልዝብ ብምስሓብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ብምግባር ዝሓሸ ውፅኢት ክትረክብ እያ ትደሊ።ስለዚ ንኣሜሪካ ሓዊሱ ናይ ደገ ተዋሳእቲ ትኹረቶም ኣብቲ ልዝብ ዝካየደሉ ዘሎ ቴክኒካዊ ጉዳያት ክገብሩ ኣለዎም።” ኣብ ፓርላማ ግብፂ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያውን ፖለቲካዊን ፀቕጢ ንምሕያል ኩሉ መሳርሒታት ክጥቀም እየ ኢሉ’ሎ።ንናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣብ ካይሮ ናብ ፓርላማ ብምፅዋዕን ብምንጋርን እቲ ፅቕጢ ከምዝጀምር ተፈሊጡ’ሎ።እዚ ፀቕጢ ናብ ወታሃደራዊ ረፅሚ’ዶ የምርሕ? ንዝብል ሲየገል ከምዚ ክብሉ ይምልሱ። “ሓቒ እዩ።ካብ ግብፂ ቕልጡፍ ምዕባለታትን መደረታትን ንርኢ ኣለና።ብወገን ግብፃዊያን እቲ ናይ ልዝብ ኣካይዳ ንምቕያርን ናይ ምውፃእን ስትራተጂያዊ ምልክታት ተርኢ ኣላ።ወታደራዊ ግጭት ኣይህሉን ኢልካ ምድምዳም ዝክኣል ኣይመስለንን።ግጭት ዝህልው ግን ኣይመስለንን።ፕረዚደንት ኤል-ሲሲ ቅድም ክብል ብወታሃደራዊ ስጉምቲ ዝፍታሕ ኣይኮነን ምባሎም’ውን ይዝከር።”  ንሶም ብምውሳኽ ግብፂ ንገለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ብምሕጋዝ ነታ ሃገር ናይ ዘይምርግጋእ ስራሓት ክትሰርሕ ትኽእል እያ ይብሉ።ኢትዮጵያ ብወገና ሕነ ክትፈድን ካልኦት ፀገማትን ክሰዕብ ዝኽእል እዪ ይብሉ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግብፂ ኣብ ኣመላልኣ ማይ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ መርገፂ ንናይ ኢትዮጵያ ቀይሕ መስመር ዝጥሕስ እዩ ክብል ሚንስትር ኢንርጂ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ተሳትፎ ህዝቢ ግድብ ህዳሴ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣብዘካየዶ ናይ ምኽክር መድረኽ ኣብ ሚንስትሪ መስኖ ማይን ኢነርጅን ኣማኻሪ ጉዳይ ተሳገርቲ ዶብ  ፈለጋት ኣቶ ተፈራ በየነ ግብፂ ኣብ ዓመት 40 ቢሊዮን ሜትሪክ ክዩብ ማይ ክስደደላን ግድብ ኣስዋን ካብ ፀፍሒ ባሕሪ ናብ 165 ሜትሮ ክወርድ ከሎ ኢትዮጵያ ማይ ክትሰድድ ኣለዋ ዝብል ከምኡ እውን ኣብቲ ልዝብ ሳልሳይ ወገን ክኣትው ኣለዎ ምባላን ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ህልውናንን ልኡላነትን ጉዳይ ብምዃኑ ውዱቕ ኮይኑ’ሎ ኢሎም። ግብፂ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ እውን ዘየረዳድኡ ኣጀንዳታት ብምቕራባ ምርድዳእ ከምዘይተኽኣለ ገሊፆም። ግብፂ ኣብ ኣመላልኣ ማይ ዓብዪግድብ  ህዳሴ ኢትዮጵያ ተቕርቦም ዘላ ሓሳባት ምቕባል ማለት ንናይ ሎሚ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ ንናይ ኢትዮጵያ ቐፃሊ ወለዶ ዝጎድእ ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን ኢሎም። ህንፀት ናይቲ ግድብ 68.56 ሚእታዊት ከምዝተዛዘመ ይፈልጥ።     ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።