Radio Erena

ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብትሕቲ ባሕሪ ዝዝርጋሕ ዘሎ ናይ ጭሕጊ መርበብ ኢንተርነት ኣብ ወርሒ መጋቢት ክዛዘም’ዩ

Radio Erena: 24 January 2020 ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብስሉጥ መርበብ ኢንተርነት ዘራኽብ፣ ብትሕቲ ባሕሪ ዝዝርጋሕ ዘሎ ናይ ጭሕጊ ገመድ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ክዛዘም ምዃኑ ተሓቢሩ። እዚ ጅቡቲ ዞባ ኣፍሪቃ ኤክስፕረስ 1 ወይ ድማ (DARE1) ዝተሰምየ መርበብ፣ 5400 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ኮይኑ፣ ንኬንያ፣ ሶማል፣ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድን ጅቡቲን ዘራኽብ’ዩ። ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ብትሕቲ ባሕሪ እናተዘርግሐ ክመጽእ ድሕሪ […]

The post ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብትሕቲ ባሕሪ ዝዝርጋሕ ዘሎ ናይ ጭሕጊ መርበብ ኢንተርነት ኣብ ወርሒ መጋቢት ክዛዘም’ዩ appeared first on Radio Erena.

ደቡብ ሱዳን፣ ብሰንኪ ዓሌታዊ ግጭት 10ታት ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 24 January 2020 ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ዞባ ኣብየይ ብዝተጎሃሃረ ናይ ቀቢላ ግጭት፣ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብዎም ብውሕዱ 32 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም። ብዘይካ’ዚ መብዛሕቶም ቆልዑ ዝርከብዎም ኣስታት 20 ሰባት’ውን ተጨውዮም ከምዘለዉ እቶም ሰበ ስልጣን ጠቒሶም። ኣብቲ ብረቡዕ 22 ጥሪ ዝተኻየድ ግጭት፣ ሓያሎ ኣጓዱን ብሳዕሪ ዝተሃንጸ ኣባይቲን ነዲዱ። ካብ ጎረባብቲ […]

The post ደቡብ ሱዳን፣ ብሰንኪ ዓሌታዊ ግጭት 10ታት ሰባት ተቐቲሎም appeared first on Radio Erena.

ብሩንዲ፣ ፕረዚደንት ስልጣኑ ክሓድግ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላርን ቪላን ክወሃቦ ሓቲቱ

Radio Erena: 24 January 2020 ን15 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ብሩንዲ፣ ፒየር ንኩሩንዚዛ ስልጣኑ ክሓድግ፣ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላርን መጋየጺ ዘለዎ ዘመናዊ ቪላን ክወሃቦ ዝብል እማመ ከምዘቕረበ ማዕከናት ዜና ካብ ርእስ ከተማ ብጁምብራ ሓቢረን። እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ እንተተኣልዩ፣ ኣብ ርእሲ’ዚ ዘቕረቦ ጠለባት፣ ናይ ጡረታ መሰልን ካልእ ሓለፋታት’ውን ክማልኣሉ’ዩ። ሓገግቲ ኣካላት እታ ሃገር፣ እቲ […]

The post ብሩንዲ፣ ፕረዚደንት ስልጣኑ ክሓድግ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላርን ቪላን ክወሃቦ ሓቲቱ appeared first on Radio Erena.

كتب ارترية في معرض القاهرة الدولي للكتاب

إذاعة إرينا الدولية الاخبار الخميس 23 يناير 2020 يعرض في معرض القاهرة الدولي كتابين عن ارتريا الأول مجموعة قصصية قصيرة تحت عنوان “هناك الأشياء تبقى كما هي” وهي للقاص الارتري المقيم بهولندا مصطفى محمد محمود طه صاحب رواية حكايات كولونيالي والتي صدرت في باريس العام الماضي والكتاب الثاني تحت عنوان ” ارتريا والشرعية السياسية التطور […]

The post كتب ارترية في معرض القاهرة الدولي للكتاب appeared first on Radio Erena.

ዶብ ሱዳንን ሊብያን፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 107 ስደተኛታት ተታሒዞም

Radio Erena: 23 January 2020 ሓይልታት ጸጥታ ሱዳንን ሊብያን ዚጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያ ምዃኖም ዝጠቕስዎም 107 ስደተኛታት ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ከምዝሓዙ ገሊጾም። ኣዛዚ ናይቲ ብልፍንቲ ዝቖመ ሓለዋ ዶባት ሱዳንን ሊብያን፣ ኣንዋር ነጉዲ፣ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ሱዳን፣ ደንግላ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ድሕሪ ምትሓዞም፣ ዘድሊ ቀዳማይ ረድኤት ተጌርሎም ናብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ሱዳን ክርከቡ ምዃኖም ሓቢሩ። […]

The post ዶብ ሱዳንን ሊብያን፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 107 ስደተኛታት ተታሒዞም appeared first on Radio Erena.

ኤርትራ፣ ንቅድድም ብሽክለታ ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ ዓብሊላቶ

Radio Erena: 22 January 2020 ኣብ ጋቦን፣ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 15 ቅድድም ብሽክለታ ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ነቲ ውድድር ዓብሊላ ከምዘላ ማዕከናት ዜና ስፖርት ካብ ካብታ ሃገር ሓቢረን። ብፍላይ 107 ኪሎሜተር ኣብ ዝሸፈነ ካልኣይ መድረኽ፣ ናይቲ ቅድድም፣ ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ዝተዳለወ ውድድራት ንዝቐረባ ኣርባዕተ ማልያታት ክውንንወን ምኽኣሎም ኣተኩሮ ስሒቡ። ኣብቲ ብ21 […]

The post ኤርትራ፣ ንቅድድም ብሽክለታ ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ ዓብሊላቶ appeared first on Radio Erena.

ኣመሪካ፣ ኤርትራ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት ተወሳኺ ናይ መገሻ እገዳ ከተተግብር ከምእትኽእል ተቃሊዑ

Radio Erena: 22 January 2020 ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት፣ ተወሳኺ ናይ መገሻ እገዳ ከተግብር ከምዝኽእል ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ዎል ስትሪት ጆርናል ሓቢራ። ኣብዚ ናይ እገዳ መደብ፣ ምስ ኤርትራ ተረቑሐን ዘለዋ ሃገራት፣ ሱዳን፣ ታንዛንያ፣ ናይጀርያ፣ ሚያንማር፣ ቤላርሱን ካዛጊስታንን’የን። እቲ እገዳ፣ ብንግዲን ካልእን ንዝገሹን ኣብ ኣመሪካ ንምንባርን ቪዛ ንዝሓቱ ዘተኮረ ምዃኑ […]

The post ኣመሪካ፣ ኤርትራ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት ተወሳኺ ናይ መገሻ እገዳ ከተተግብር ከምእትኽእል ተቃሊዑ appeared first on Radio Erena.

ኤርትራ፣ ሓያሎ ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተኣሲሮም

Radio Erena: 22 January 2020 ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓይሎ ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከምዝኣሰሩ ምንጭታት ኤረና ኣረጋጊጾም። እቶም ዝተኣስሩ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ፣ ምስ ዘይሕጋዊ ንግዲን ኮንትሮባንዳን ብዝተተሓሓዘ ከምዝተኣስሩ ጽንጽንታ እኳ እንተሎ፣ ምኽንያት መእሰሪኦም ክረጋገጽ ኣይከኣለን። ማእሰርቲ እዞም ሰራሕተኛታት ዝሰዓበ፣ ካብ ዱባይ፣ ብኪሎታት ዝምዘን ንብረት እናምጽኣ ኣብ ንኣሽቱ ንግዲ ተዋፊረን ዝጸንሐ ደቂንስትዮ፣ […]

The post ኤርትራ፣ ሓያሎ ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተኣሲሮም appeared first on Radio Erena.

ኢትዮጵያ፣ ኣብ በዓል ጥምቀት፣ ብሰንኪ ምፍራስ ኣዕኑድን ግጭታትን ኣብ ህይወት ሰባት ጉድኣት በጺሑ

Radio Erena: 21 January 2020 ኣብ ኢትዮጵያ፣ ጎንደር፣ ኣብ ዝካየድ ዝነበር በዓል ጥምቀት፣ ንገያሾ ከጽልል ዝቖመ ድንኳናት፣ ኣዕንዱ ብምፍራሱ፣ ብውሕዱ 9 ሰባት ከዝሞቱን 250 ሰባት ድማ ብከቢድን ፈኵስን ከምዝቖሰሉን ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣረጋጊጸን። ብካልእ ወገን ድማ ኣብ ሃረርን ሓያሎ ከባቢታት ክልል ኦሮሞን ኣብታ ዕለት ብዝተጎሃሃረ ምስ ብሄርን ሃይማኖትን ዝተተሓሓዘ ግጭት ኣስታት 20 ሰባት ቆሲሎም። ጥምቀት […]

The post ኢትዮጵያ፣ ኣብ በዓል ጥምቀት፣ ብሰንኪ ምፍራስ ኣዕኑድን ግጭታትን ኣብ ህይወት ሰባት ጉድኣት በጺሑ appeared first on Radio Erena.

ኤርትራ ካብ ሩስያ ክልተ ወትሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ሸሚታ

Radio Erena: 21 January 2020 ኤርትራ፣ ካብ ሩስያ ክልተ ወትሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ከምዝሸመተት ማዕከን ዜና ስፑትኒክ ሓቢሩ። እተን ኣንሳት ዝዓይነተን ሄሊኮፕተራት፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይዚ ዓመት ናብ ኤርትራ ክበጽሓ ምዃነን እቲ ናይ ሩስያ ምንጪ ጠቒሱ። እተን ሄሊኮፕተራት፣ ፈከስቲ ወትሃደራዊ ንብረትን ክሳብ ትሽዓተ ሰባትን ከጎዓዕዛ ዝኽእላ’የን። ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፣ ኣብ ሶቺ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሩስያን […]

The post ኤርትራ ካብ ሩስያ ክልተ ወትሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ሸሚታ appeared first on Radio Erena.