ሓቢርካ ናይ ምቅላስ፡ መድረኻዊ ግድነት

ሓቢርካ ናይ ምቅላስ፡ መድረኻዊ ግድነት

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሓቢርና ንቃለስ እንብል፡ ናይ በበይንኻ ምዃን ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለ እንርዳእ ኢና። ንናይ ሓባር ረብሓ ሓቢርካ ምውፋር ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ህይወትና እውን ኣድማዒ እዩ። ብኣንጻሩ ሓቢርካ ናይ ዘይምስራሕ ሳዕቤን ከምዚ ኣብ ቃልስና ኣንጻር ወጽዓ ንዕዘቦ ዘለና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና’ውን ዝምረጽ ኣይኮነን። እዚ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ኮነ ምስራሕ ብደረጃ ሓሳብ ኣብ ኩልና ኤርትራውያን ተቐባልነት ኣለዎ። ኣብ ከመይነትን ኣገባብን ኣተገባብራኡ ግና ፍልልይ ከም ዝጸንሓና ርኡይ እዩ። ናይቲ “ሓድነት ሓይሊ እዩ” ዝብል እምነት ግብራውዊ ውጽኢት ከይንሓፍስ ዓንቂጹና ዝጸንሐ ከኣ ንሱ እዩ።

ብዛዕባ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልስናን ዓወትናን ክንዛረብ እንከለና “ምስጢር ዓወትና ሓድነትና እዩ” ኢና እንብል። እንብሎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ግብብራውነቱ’ውን ኣይኮነንዶ ንዓና፡ ንጸላእትና እውን ሓቂ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ንሕና ሓድነትና ምስጢር ዓወትና ስለ ዝኾነ ክንዕቅቦ፡ ጸላእትና ከኣ ምስጢር ዓወትና ብምስራቕ ሓድነትና ከላሕልሑ ክንጓተት ዝጸናሕና። ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ንኤርትራ ናይ ምስዓር ሕልሚ ዝነበሮም ወገናት ዝጥቀምዎ  ዝነበሩ ናይ ምክፍፋልና ምህዞ እንተዘኪርና’ውን ነዚ እዩ ዘዘክረና። ካብ ኣርበዓታት ጀሚሪካ ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ንሓንሳብ ከበሳን መታሕትን ንሓንሳብ ድማ ኣስላምን ክርስትያንን እንዳበሉ ከረሓሕቑና እሞ ሓይልና ኣዳኺሞም መፍተኦም ክገብሩና ዝሃቀንዎ ከኣ ነዚ ዘዘኻኽረና እዩ።

ሓድነትና ምስጢር ዓወትና ዝኸውን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ እዋንዚ ነካይዶ ኣብ ዘለና ኣንጻር ዘቤታዊ ጨቆንትን ጠላማትን እውን ህያው እዩ። ናይ ሎሚ ጨቋኒ ጉጅለ እውን ሓድነትና ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሉን ዘይምቕጻሉን ወሳኒ ምዃኑ ስለ ዝግንዘብ፡ ሓቢርና ኣንጻሩ ንከይንቃለስ ክሰርሕ ርዱእ እዩ። ደገፍቱን ተቓወምቱን ተበሃሂልና ኣብ ነንሕድሕድና ክንዳኸመሉ ከኣ ድሌቱን ሕልሙን እዩ። ህግደፍ ግና ምስቶም ደገፍተይ ዝብሎም’ውን የለን።  ብሰንኪ ቀልጢፍና ንተንኮላዊ ኣካይዳኡ ዘይምፍላጥና ከኣ ንነዊሕ ዓመታት ኣዳህሊሉና እዩ። ሎሚ ግና ክሓብኦ ዝጸንሐ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ምቅላዕ ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ደለይቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤት ኤርትራውያን ዝነበረ ምርሕሓቕ ኣዝዩ ኣብ ዝተቐራረበሉ ግዜ ንርከብ ኣለና። እዚ ንዓና ነቶም ኣብ ለውጢ ንኣምንን ምእንትኡ እንቃለስን ዓብይ ፍናን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ብሰንኪ ሓቢርና ኣንጻሩ ዘይምስላፍና ከምድላዩ ክገብር ዝጸንሐ ጨቋኒ ህግዲፍ ግና ስግኣትን ስንባደ ኦኣብሉሉ ኣሎ። ስለዚ ከምቲ ባዕዳውያን ጸላእትና ሓድነትና ዘሪጎም ዓቕምና ከምክኑ ፈቲኖም ዘይተዓወቱ፡ በታኒ ዘቤታዊ ውዲት ህግዲፍ እውን ፍሽለቱ ዘይተርፍ  እዩ።

ሎሚ ንህግደፍ “ኣይናትካን ኢና” ዝብል ናይ ይኣክል መልእኽቲ ብማዕዶ ዘይኮነ፡ ካብ ማእከል ኤርትራ ይበጽሖ ኣሎ። ህግዲፍ ግና ነቲ ኣንጻሩ ዝካየድ ቃልሲ ኣፍልጦ ምሃብ ካብ ስዕረት ዘድሕኖ ግዲ መሲልዎ ክሓብኦን ጸልማት ተጐልቢቡ ኣንጻሩ ዝዝርጋሕ ናይ “ውረድ ካብ ስልጣንካ” ወረቓቕቲ ክኣሪ ይሓድር ኣሎ። እቲ ንህግደፍ ዝጽየፍ ኣተሓሳስባ ግና ኣብቲ ወረቕት ዘይኮነስ ኣብ ተሓሳስባ ናይቶም ነቲ ወረቕት ዘዳልዉ ስለ ዝኾነ ብጸልማት እንተኣከቦ ብቐትሪ ህያው እዩ። ሎሚ ህግዲፍ ሰሚዑ ከምዘይሰመዐ ደኣ ይሓልፎ ይህሉ እምበር፡ ኣብቲ ቀደም ናቱ ሕዛእቲ ዝመስሎ ዝነበረ ኤርትራዊ መድረኻት ሓጥያቱ፡ ገበናቱን ጸረ-ልኡላዊት ኤርትራ ክሕደቱን ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዝስማዕ ዘሎ እዩ። እዚ ከኣ ንሓቀኛ ድምጺ ንግዜኡ እምበር ንሓዋሩ ምዕባስ ከምዘይከኣል ዘርኢ እዩ። “ሓቅስ ብእግራ ተሓዝካያ ብርእሳ ትወጽእ” ከም ዝበሃል።

እዚ ግና እኹል ኣይኮነን። ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ኣብ ግዜ ወጥሪ እውን ጸኒዑ ዝምክት ውዳበ የድሊ። ጽቡቕ ድሌትን ስምዒትን እንተዘይተወዲቡ ቀያሪ ሓይሊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዚ ውዳበ ክህልውን ከድምዕን ከኣ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ኣካላት ካብ ውልቀሰብ ክሳብ ውድባ፡ ሰልፍታትን ካልእ ምትእኽኻባት ሓላፍነት ክወስዱ ናይ ግድን እዩ። እቲ ሓላፍነት ምውሳድ ቅሩብነት እንተልዩ ከቢድ ኣይኮነን። ምስ ካልእ ከም ናትካ ባህጊ ዘለዎ ኣካል ብሓባር ኣብ ቃልሲ ክትጽመድ እንከለኻ ካብቲ በይንኻ ክትከውን እንከለኻ ዝስመዓካ ውሱንነት ወጺእካ፡ ኣብቲ ብሓባር ዘስረሓካ ምትኳር ግድነት እዩ። ብዘይካዚ ሓቢርካ ንክትሰርሕ ክትምረሓሉ ንዝሓዝካዮ ኣዕኑድ ብጹረት፡ ምክእኣልን ተወፋይነትን ክትምእዘዘሉ ምብቃዕ ካልእ ዝኸፈል ዋጋ እዩ። እትራኸበሉ ናይ ሓባር መድረኽ  ንውሱን ግዜ ጥራይ ዘገልግልን  ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ንምዕዋትን ዘይኮነ፡ ነዊሕ ዝጠመተን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ቀንዲ ማእከሉ ዝኾነን ክኸውን ይግበኦ። ቀንዲ መምዘኒኻ ከኣ በሃልቲ ዘይኮነስ፡ ትሕዝቶ ናይቲ ዝበሃል ክኸውን ይግበኦ።

ብመንጽር እዚ ደንበ ተቓውሞና ብሓባር ዝሰርሓሉ መንገዲ ንምፍጣር ክሳብ ሕጂ ዘካየድናዮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን። ዘይመዕወቲኡ ምኽንያት ግና ሓቢርካ ምቅላስ ኣድላይነት ስለ ዘየብሉ ዘይኮነ፡ እቶም ብሓባር ክንሰርሕ ዝግበኣና ሰለ ዘይበቓዕናዮ ኢና። እቲ ኣድላይነት ግድን ካብ ኮነ ከኣ እቲ ጻዕሪ’ውን ክቕጽል ግድን ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ሎሚ’ውን በብኹርናዑ ናይ “ሓቢርናንዶ ገለ ንግበር” ድምጽና ይስማዕ። ኣብቲ እንደልዮ ሰፊሕ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ብሓደ ስጉምቲ ዘይክንበጽሖ ንኽእል። ክንጅምሮ ግና ናይ ግድን እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ነቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመኡ ኣሕዲስዎ። ከም ናቱ ተበግሶ ምስ ዝወሰዱ ኣካላት ከኣ፡ ምስ ገሊኦም ናብ ምሉእ ሓድነት ምስ ገሊኦም ድማ ናብ ሰፊሕ ጽላል ይስጉም ኣሎ። ኣብ ሓድነት ኮነ ኣብ ጽላል ንምብጻሕ ከቢድ ጻዕርን ግዜን ዝወስድ ግና ዝከኣል እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞና ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ እዩ። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ጉዕዞ እኹል ዘይኮነስ፡ ናብቲ እንጽበዮ ምልኣት ንምብጻሕ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ግድን ስለ ዝኾነ እቲ ናይ እንካን ሃባን መስርሕ ቀጻሊ እዩ። ምኽንያቱ ምስዚ ሎሚ ንህዝብናን ሃገርናን ዘንጸላልዎም ዘሎ ብዙሕ መልከዓት ዘለዎ ስግኣት ሓቢርካ ምቅላስ እንተደለኻ እትድግፎ እንተዘይደለኻ እትገድፎ ዘይኮነ፡ ግድን ክሳብ ዓወት ክንደፍኣሉ ዝገበኣና ግድነት እዩ።

Militant Oromo gunmen claimed lives of three Ethiopians,two foreigners

Oromo regional state security authorities link the gunmen to militant wing of Oromo Liberation Front (it is also called SHANE in the region) but no parties responsible for the attack is in police custody so far.

Nedjo _Ethiopia _ Oromo militantCredit : Google map

borkena
March 19,2019

Five people are killed on Tuesday morning, around 7 a.m. local time, near Nedjo -Wellega-, in Oromo region,Western Ethiopia when gunmen opened fire on a vehicle, Oromo regional state authorities confirmed.

Two of the victims are foreigners – Japanese and an Indian – according to a report by DW Amharic service which cited sources from the area.

And all the victims are employees of a company licensed; by the Federal government of Ethiopia, to undertake copper mining in the area, reported FanaBC citing Ministry of Petroleum and Mining. Some of them were management staff.

The vehicle carrying the deceased was traveling from Mendi to Tolla Waqo when the gunmen opened fire in Humna Waqeyo, about 5 kilometers from Nedjo town.

The vehicle was in a blaze after it was hit with grenade explosion following the death of the five people who were in it. When law enforcement unites arrive in area, and it is unclear as to when they arrived, they found about 56 bullets, according to a report by FanaBC.

On Tuesday, DW Amharic cited Nedjo town communication officer, Tolera Suki, to report that bodies are in Nedjo hospital. But they could not be identified for they are disfigured, according to the report.

Oromo regional state deputy police commissioner, Retta Belachew, told Ethiopian state broadcaster, EBC, that the gunmen were armed Oromo Liberation Front (OLF) Shane group who refused to disarm through a negotiation process that involved traditional elders in the region known as Abba Geda.

A militant wing of OLF has been operating in the region for many months now. In January 2019, the group robbed 17 bank branches (both private and state banks) in a span of two days.

The Federal government deployed armed forces to the region and there were claims of improved security situation thereafter.

In May 2018, Dagonte Ethiopia cement general manager, Deep Kamra, was killed along with his secretary, among others, in Adaberga district, Oromo region, about 85 kilometers west of the capital Addis Ababa.

Prime Minister Abiy’s government has been criticized in connection with the way it handled the militant group.

Source=https://borkena.com/2019/03/19/oromo-gunmen-claimed-lives-of-three-ethiopianstwo-foreigners/

Human rights violations in Eritrea are as bad as ever

Jean-Jacques Cornish
March 19, 2019

Eritrea

FlagDespite making peace with its neighbors and being elected to the United Nations Human Rights Council, the Eritrean regime of Isaias Afwerki continues severely to repress his people.

Human Rights Watch lists violations that include enslavement of young people.

Isaias Afwerki used Eritrea’s  20 year war with Ethiopia to justify his oppression.

This includes indefinite conscription that amounts to the enforced labour of young people.

Parliament, political parties, an independent judiciary and a 1997 constitution are prohibited.

Government opponents are jailed without trial and held incommunicado.

Signing a peace deal with Ethiopia last year and re-establishing diplomatic relations with Djibouti have been hailed internationally.
But according to Human Rights Watch, they’ve not changed Afwerki’s  oppressive measures.

Tags: Djibouti, Ethiopia, Human Rights Watch, Isaias Afwerki, slave labour

 
Source=http://www.jjcornish.com/2019/03/human-rights-violations-in-eritrea-are-as-bad-as-ever/

ጨንፈር ኖርወይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ

ጨንፈር ኖርወይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ

ጨንፈር ኖርወይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ17 መጋቢት 2019 ኣብ ከተማ ኦስሎ ስሩዕ ኣኼባ ኣቃኒዑ። ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ኣብላት ጨንፈር ዝተሳተፉሉ ኣኼባ፤ ተሳተፍቲ ኣብቲ ቀሪቡ ዝነበረ ኣጀንዳታት ዓሚቊ ምምይያጥን ሰፊሕ ተሳትፎን ኣርእዩም።

ናይ ዕለቱ ኣጀንዳታት ውሽጣዊ ሰብኣዊ ጸጋታት ጨንፈር ከመይ ገርና ነስርሓዮን ነሐይሎን ዝብልን፣ ንዓወት 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ኣብ ጎድኒ ኣሰናዳኢት ሽማገለ ጉባኤን ኣብ ጎድኒ መሪሕነት ሰልፍን ኰና እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብሉን እዮም ነበሩ።

ኣኼበኛታት ንምሕያልን ምብርባርን ሰብኣዊ ጸጋታት ጨንፈር ኣብ ዝብል ኣጀንዳ እነካይዶ ቃልስን ምትእስሳር ሰልፊ ምስ ኣባላትን፣ ኣባላት ንሰልፊ ብዘስንቕዎን ዘገልግልዎን ኣገባብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣባላትውን ካብ ሰልፊ ብዝረብሑሉ ማለት ጸገማቶም ኣብ ምቅላል ምትሕብባርን ኣገልግሎት ዝረኽብሉን፣ ዝመሃሩሉን ዝምዕብሉሉን ኣገባብ ክኸውን ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ንዓወት 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ብዝምልከት ድማ ማዕረቲ ኣሰናዳኢት ሽማገለ ጉባኤ ዝጠልቦ ጠለባትን ዝያዳ ተወሳኺ ጨንፈራዊ ጻዕርታትን ተበግሶታትን ወሲዱ ንዓወት 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከምዘለዎ ተሰማሚዕም። ነዚ ስምምዕዚ ከይወዓልካ ከይሓደርካ ግብራውነት ንምልባስ ድማ ከም ጀማሪ ግብራዊ ስጉምቲ ኩሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ዕለተ ኣኼባ ብዓቕሞም ንዓወት 3ይ ሓድነታዊ ጉባኤ ዝውዕል ገንዘባዊ ወፈያ ኣካይዶም፣ ብርክት ዝበለ ገንዘብውን ኣዋህሊሎም።

ሓቢርና ንስራሕ ክነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ክነስምዕ!

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንዅሉ ኤርትራዊ

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንዅሉ ኤርትራዊ

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንዅሉ ኤርትራዊ

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንዅሉ ኤርትራዊ

Andebrhan

Dutch Minister misses worst Libyan detention centres

March 18, 2019 News

Last week a Dutch delegation led by Migration Minister Mark Harbers visited several camps in Libya. But his trip did not include Zintan, a detention centre with an atrocious conditions, seldom visited by international dignitaries. This information has been received from inside Zintan detention centre.

Migration Minister Mike Harbers

Over 700 refugees have been imprisoned in Zintan, of whom 165 refugees have been there since October 2017. The detention camp is 180 km from Tripoli. The refugees report that the situation is dire: there is little food; hygiene and their health is very poor.

It is reported that in the last five months 17 refugees detained in Zintan have died, among them one young woman who was driven to commit suicide. Most are said to have died of TB; thirteen of them were Eritrean.

The refugees say that the issue most worrying the refugees is that they have no information about their fate.

One of the refugees, has appealed for international protection. He was imprisoned in Eritrea before fleeing the country and is in real danger. His name is being kept confidential for his safety.

47 refugees have been moved from Zintan to another camp – Gharyan where they are still imprisoned. The refugees there are locked-up and held incommunicado. Four people are reported to have died in Gharyan in the last five months from TB.

What action from UNHCR?

The UN refugee agency has been made aware of the circumstances in which the refugees are being held. The detainees say they have tried to contact UNHCR, but with little success. The refugees are asking why the UNHCR has not visited the Zintan camp.

The plight of the Eritreans was underlined by the findings of the UN Deputy Human Rights Commissioner, Kate Gilmore. Speaking in Geneva last week she that Eritrea’s human rights record has not changed for the better since the government signed a peace agreement with Ethiopia last year, formally ending a two decades-long border conflict. Ms Gilmore was participating in a U.N. Human Rights Council interactive dialogue on the current situation in Eritrea.

Kate Gilmore said Eritrea has missed a historic opportunity because the government has not implemented urgently needed judicial, constitutional and economic reforms. She explained that the continued use of indefinite national service remains a major human rights concern.

“Conscripts continue to confront open-ended duration of service, far beyond the 18 months stipulated in law and often under abusive conditions, which may include the use of torture, sexual violence and forced labor,” she said.

Source=https://eritreahub.org/dutch-minister-misses-worst-libyan-detention-centres

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ፍሉይ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ኣካይዱ

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ፍሉይ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ኣካይዱ

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ16 መጋቢት 2019 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ምስ ኣቕረበ፡ ብዛዕባ ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳታት ሓጺር መግለጺ ኣቕሪቡ።

ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባ ካብ ዝተመያየጠሎም ዛዕባታት ሓደ፡ ኣብ መስርሕ ዘሎ ሓድነት፣ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝምልከት ነይሩ። ባይቶ ነዚ ብዝምልከት ነቲ ኩነታት ክከታተል ብዝጸንሐ ኣካል ሰዲህኤ ሰፊሕ መብርሂ ሰሚዑ። በቲ ዝቐረበ መብርሂ መሰረት  ዳርጋ ኩሉ ኣቐዲሙ ክውዳእ ዝግበኦ ስረሓት ከም ዝተኸምተአን እቲ ካብ ክልቲኡ ውድባት ዝተመዘዘ ኣካል ብዝተኣማምን ምውህሃድን ስምምዕን ይቕጽል ከም ዘሎን ገሉጹ። ባይቶ ኣብቲ ዝቐረበ መብርሂ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝርራብ እቲ መስርሕ በቲ ዘለዎ ናህሪ ክቕጽል ዝሕግዙ ሃነጽትን ሓገዝትን ሓሳባት ኣቕሪቡ።

ብዘይካዚ መጻኢ፣ 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ክልቲኡ ውድባት ዘዳሉ ዘሎ ሓባራዊ ኣሰናዳኢ  ሽማግለ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዝምክትውን መብርሂ ቀሪቡ። ብመሰረት መብርሂ ኣደ-መንበር ሓባራዊት  ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ስረሓት ሰልስተ ንኡሳን ሽማግለታት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዝርዝር ቀሪቡ።  ብመሰረ ት እቲ ዝቐረበቶ መብርሂ፡ ኣብዚ እዋንዚ ናብ 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ዝቐርብ ንድፊ ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ንዝያዳ ዘተ ናብ መሰረታት ክልቲኡ ውድባት ብመንገዲ ኣቦ-መንበራት ተዘርጊሑ ከም ዘሎ ተጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣባላት ክልቲኡ ውድባት መጻኢ ጉባኤ ንምዕዋት ኣባላት ዘሕብን ወፈያታት የካይዱ ከም ዘለዉ ተገሊጹ። ብዘካይዚ ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ኣካላት ንምንጻር ቅዋማዊ ዳህሳስ ኣብ ምጥንቓቕ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ነዚ መብርሂ ዝተኸታተለ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶን ንዘቕረቦም ኣገደስቲ  ሕቶታትውን፣ ብኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ በሪህሉ። ድሕሪዚ ባይቶ እቲ መስርሕ ምድላው ጽፉፍን ዕዉት ንክኸውን ዝሕግዙ ሓሳባት ኣቕሪቡ ኣብ ምዕዋቱ ካብኡ ዝድለ ንኸበርክት  ድልውነቱ ኣረጋጊጹ። መሰረታት ክልቲኡ ውድባት ክሳብ ሕጂ ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ንኢዱ እዚ ተወፋይነት ንክቕጽል ከኣ ጸዊዑ።

ኣብዚ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ምስ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ቀጻሊ ዘሎ ናይ ምቅርራብን ሓቢርካ   ምስራሕን መስርሕ ዘለዎ ደረጃ ዝዳህሰሰ ሓበሬታዊ ጸብጻብ ሰሚዑ። በቲ ነቲ መስርሕ ብሓላፍነት ሒዘምዎ ብዘለዉ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ሓቢርካ ንምስራሕ ተታሒዙ ዘሎ ውጥን ግዜ ብዘይምብኻን ተቐላጢፉ ንክቕጽል ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣተሓሳሲቡ። ከምኡ እውን  ሓባራዊ ጽላል ንምምስራት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተታሒዙ ዘሎ መደባት ብዓንተቦ ክትግበር ማእከላይ ባይቶ ሃናጺ ሓስባት ኣቕሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ማእክለይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንህልዊ ኩነታት  ሃገርናን ከባቢናን ዝምልከቱ ሓበሬታትት ዳህሲሱ። በዚ ዳህሳስ መሰረት ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ሃገርናን ህዝብናን ካብዚ ኣንጸላልይዎም ዘለዉ ሓደጋ ንምድሓን ኤርትራውያን ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ዝግደድሉ ደረጃ ከም ዘለና  ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ባይቶ ኣመዝጊቡ።

8 መጋቢት ኣህጉራዊ በዓል ደቀንስትዮን ኵናት ተጎርባን፣ ብኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ብድምቀት ከቢሩ።

8 መጋቢት ኣህጉራዊ በዓል ደቀንስትዮን ኵናት ተጎርባን፣ ብኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ  ብድምቀት ከቢሩ።

ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ካብ ሳንፍራንሲስኮ፣ ሳንሆዘ፣ ሳንታሮዛን ካልኦት ከተማታትን ተጓዒዞም ዝተሳተፍዎ ድርብ በዓል ብ9 መጋቢት 2019 ዓ.ም.ፈ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ብኽብሪ ተዘኪሩ ኣምስዩ። እቲ በዓል ብሓልዮት እቲ ንዅሎም ኤርትራውያን ዘጽልል “ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ተዳልዩ፣ ኣብቲ ሓድሽ መአከቢ ቤት ጽሕፈቱ እዩ ተኻይዱ።  ኣብዚ በዓል’ዚ ዝተሳተፉ ድማ ንኤርትራዊ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ብዙሕነት ዝወከሉ ብምንባሮም ዝያዳ ድምቀት ዘንጸባረቐ ነይሩ። 

ኣቦ መንበር ኣካያዲ ቦርድ ማሕበር ኣቶ ማእከለ እምባየ ንተሳተፍቲ እንቋዕ ነዚ ድርብ በዓል ብሓደ እዋን ብሓባር ክንዝክርን ከነብዕልን ኣብቅዓና ብምባል መድረኽ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ቅደም ተኸተል ናይ ዝተዳለወ መደብ ብዝርዝር ሓቢሩ።  ኣቶ ማእከለ ኣብ መግለጺኡ፤ ንታሪኻዊ ቃልስታት ደቀንስትዮ ዓለም ብሓፈሻ፣ ንቓልስታት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ ኣባል ቦርድ ዝዀነት ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረገርጊስ ኣብ ክንዲ ቦርድ ቃል ከተቕርበልና እያ ኢሉ። ካብኣ ቀጺሉ ድማ ኣቶ ፍስሃየ ሓጎስ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኵናት ተጎርባ መግለጺ ክህበና እዩ። ብምቕጻል ሓባራዊ ምይይጥ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ማሕበረ-ኮምናን ሃገርናን’ውን ክቕጽል’ዩ ብምባል ሓበሬታኡ ዛዚሙ።

ንዝኽሪ 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮ፣ ብወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረገርጊስ ዝቐረበ መግለጺ፡

March 8 International Womens Day and Tegoruba celebration

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ተሳተፍቲ ድርብ በዓል፡

እዚ ንዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን፡ ንዝኽሪ ኲናት ቶጎሩባን እነካይዶ ዘሎና በዓል ምኽንያት ብምግባር፡ ንዅሉ ክህልወኩም ዝኽእል ስራሕ ኣወንዚፍኩም፡ ንድምቀት እዚ ዕለት'ዚ ምፍዋይኩም፡ እናመስገንኩ፡ ኣብዚ ዕለት'ዚ ቃል ክህብ ንዝተዋህበኒ ዕድል ኣመልኪተ ልዑል ኣኽብሮትን ምስጋናን ከመሓላልፍ እፈቱ።

ርግጽ፤ እዚ ዕለት'ዚ ክቡር ዕለት'ዩ ከብሎ ዝኽእል ድርብ ምኽንያታት ኣለዎ። ብሓደ ሸነኽ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ብፍላይ ንዓና ከም ኤርትራውያን፡ ደቀ ኣንስትዮና፡ ስለ ጾታውን ፖሊቲካውን ወጽዓኤን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ንምንጋፍ፡ ሰፍ ዘይብል ሓላፍነት ተሰኪመን፡ ከም መላእ ህዝበን ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ናጽነት ምርግጋጽ ዘብቅዓ ምዃነን እዩ። ከምቲ ኣብ እዋን ሰውራ ንጭርሖ ዝነበርና፡ "ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የልቦን"። ብርግጽ’ውን ብዘይከአን ናጽነት ኣይምተረጋገጸን፡ ብዘይከአን ድማ ናይ ሕጂ ቃልሲ ንምዕዋት ዲሞክራስን ፍትሕን ክዕወት ኣይክእልን እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብቲ ውሽጣዊ ቃልሲ እውን እንተዀነ፡ ንጾታዊ ፍትሒን ማዕርነትን፡ ንመሰል ምውዳብ፡ ንኣቓልቦ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ተቓሊሰን፡ ኣብ ሰራዊት ከቢድን ፈኲስን መሳርያታት ዓጢቐን ኣብ ቅድመ ግንባር፣ ኣብ ከተማዊ ደባይ ስርሒት ቅያታት ኣርእየን፡ ኣብ ኲናት ሰንኪለን ልዕሊ ኩሉ ድማ ሂወተን ብምሃብ እቲ ዝለዓለ ክፍሊት መስዋእቲ ከፊለን፡ ኰታ ኣብ ክሉ ጽፍሕታት ሕብረተሰብና፡ መንነተን ኰነ ብቕዓተን ኣረጋጊጸን ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ፡ ልዑላዊት ሃገር ንኽትከውን ኣብቂዐን እየን።

ምስ'ዚ ኩሉ ጅግንነት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ እቲ ንመላእ ህዝብና ዝበጽሖ ጽንኩር ፈተነታት ንዓኣተን’ውን በጺሕወን እዩ። እወ፤ ናጽነት ሃገር ተረጋጊጹ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ጻማ ቃልሰን ዝፍደያሉ መድረኽ ኣቲና ኣሎና ተባሂሉ እዩ። ከም ሰበን፡ ደጊም ናብ ራህዋን ሰላምን ከነማዕዱ ኢና ዝብል ትጽቢት ሰፊኑ እዩ። የግዳስ፡ እቲ ትጽቢት ተጣሒሱ፡ እቲ ተስፋታት ተሃሪሙ ሕልምታትን መብጽዓታት ሰውራን እውን በብመድረኹ ክጥለም ተራእዩ እዩ።  ሕልምታት ምስ ተጠልመ፡ ዓዲ ናብ ሰፋሕ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተቐየረትከ? መጀመርያ ዝተጐድኣ ደቂ ኣንስትዮ እየን።   ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒነን፡ ናይ ሞት ጽዋእ ዝተፈድያ’ውን ውሑዳት ኣይኰናን።

ድሕረትን ድኽነትን ዘስዓቦ ጥሜትን ዕርቃንን፣ ህዝብና ብተስፋ  ተጸሚሙ ክሰግሮ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት ብስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ክካየድ ዝጸንሐ ኰነ ኢሉ ንብርሰትን ምብትታንን ሃገርና ዝዓለመ ሽርሓዊ ተግባራት፣ ንዓለም ዘስካሕክሐን መዛረቢ ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ጥራይ ምዓስ ኰይኑ፣ ንልዑላውነት ሃገርና ዝፈታተን ውዲታትን ዘይግሉጽ ስምምዓትን ምስ ወጻእተኛታት ዝገብሮ ዘሎ ጥልመት ኣንጸላልዩ፣ ንህዝብና ኣብ ስግኣትን ሻቕሎትን ኣኣትዩዎ ይርከብ።

 እዚ ዕለት'ዚ እምበእር፡ ነቲ ኩልና እውን ጌና ሓራ ዘይወጸናሉ፡ ካብ ባህልን ማሕበራዊ ክውንነትን ዝተወርሰ ኣሉታትና ሰጊርና፡ ከብሪ ደቂ ኣንስትዮና፡ እንዝክረሉን፡ ጉዳይ መላእ ሕብረተሰብ ብምዃኑ፣ ብሓድሽ ንያት ንሓድሽ ዕማም እንዋፈሩሉ ዓቢ ዕለት እዩ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ፣ በዓል 8 መጋቢት ክትዝከር ትንበር!!!!!!!

ቀጺሉ፡ ዝኽሪ በዓል መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት “ኵናት ተጎርባ” ብኣቶ ፍስሃየ ሓጎስ ዝቐረበ  መግለጺ:

March 8 International Womens Day and Tegoruba celebration 2

ነዚ ድርብ በዓል፡ ንምዝካርን ምኽባርን እንቋዕ ኣብቀዓና። ነዚ ክቡር መደብ ዘዳለወ ኣካያዲ ቦርድ ናይ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ምስጋና ይብጽሓዮ።

ተጎርባ ኣብ ጐላጕል ታሕታይ ባርካ ዝርከብ ጎቦታት ምቹእ መዛግብ (ድፋዕ) መከላኸሊ ዘለዎ ከባቢ እዩ። ሰራዊት ሓርነት ከም መዝገቡ ዝመረጸሉ ምኽንያት’ውን ኣብኡ ዓሪዱ ካብ መጥቃዕቲ መግዛእታዊ ሰራዊት ክከላኸል ስለዘኽእሎ እዩ ነይሩ።  ታሪኻውን ብዕሊ ክዝከርን ዘንብሮ ድማ በቲ ኣብ 15 መጋቢት 1964 ሎሚ መበል 55 ዓመቱ፣ ዝተኻየደ ዕዉት ሓርነታዊ ምክልኻል ኵናት እዩ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስለምንታይ እያ ን15 መጋቢት 1964 ኲናት ተጎሩባ፣ ከም መዓልቲ ሰራዊት ኤርትራ ከተብዕላ ዝመረጸት? ቅድሚኡ ይኹን ድሕሪኡ ዝተኻየደ ንኣሽቱ ይኹን ዓበይቲ ዓወታትን ዝተኸፍለ ግዙፍ መስዋእትን የለዉን’ድዮም ዝብሉ ሕቶታት ክላዓሉ ከምዝኽእሉ ፍሉጥ ኢዩ። ናይዚ መልሲ ድማ “እወ! ኣለዉ እምበር!“፡ ካብ ጫፍ ደንካልያ ክሳብ ዶብ ሱዳን፡ ካብ ጫፍ ሳሕል ክሳብ ዶብ ናይ መረብን ዛላምበሳን ዘሎ ሰናጭሮን፡ ኩርባታትን ሜዳን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ዋና ከተማታት መግዛእታዊ ሰራዊት ኣትዩ ዝፈጸሞም ስርሒታትን ዓወታትን ኣብ መዛግብ ታሪኽ ዝሰፈሩን ክሰፍሩ ዝግብኦምን ኣለዉ።

ናይ 15 መጋቢት 1964 ኵናት ቶጎሩባ ሓለፋ ግን፡ መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ “ሃገርና ሰላም እዩ ዘሎ፡ ውግእ ዝበሃል የብልናን፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣዲኡ ኢትዮጵያ ብሓደ ሓቢሩ ክነብር መሪጽዎን ተቐቢልዎን እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብገመድ ኣሲርና እነምጽኦም ውሑዳት ወንበዴታት (ሸፋቱ) እንተዘይኰይኖም ተቓውሞ ዝበሃል የለን፡“ እንዳበለ ንደገን ንውሽጥን ክምድር እንከሎ፡ ንሰውራና ብዕሸሉ ንምቝጻይ ከኣ ብዝተፈላለየ ኣስማት ዝፍለጥ ሰራዊት ኣዋፊሩ ፍሽለታትን ሕፍረትን ተኸዲኑ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ ናይ ደባይ ውግእ እዋናት እዩ ኵናት ቶጎሩባ ተኻይዱ።

ሰራዊት መግዛእቲ ስርዓት ሃይለስላሴ በዚ ኣገባብ እዚ ነጭ-ለባሽ፣ ባንዳ-ብጨርቁን ፊልድ-ፎርስን ኣዋፊሩ ንሰውራ ኤርትራ ከሰንፎ ከምዘይክእል ስለዝተገንዘበ ድማ እዩ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንሰራዊት ሓርነት ካብ ገጽ መሬት ንምድምሳስ ኣብ ዕለት 15 መጋቢት 1964 ዓ.ም ንመጀመርያ ግዜ ካብቲ እቲ ስርዓት ዝምክሓሉ ዝነበረ ሓይሊ ጦር ሰራዊት ብብዙሓት ታንክታትን፡ መዳፍዕን፡ ካልእ ከበድቲ ኣጽዋር ውግእን ተሰንዩ እንዳፈከረ ናብ ቶጎሩባ ወፈረ። ነዚ ብዱዕ ወፍሪ ዝፈለጡ ገለ ካብ ጋንታታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ከኣ ኣብ ቶጎሩባ ኣድብዮም ብምጽናሕ ነቲ ብትምክሕቲ ተላዕጢጡ ንተጋደልቲ ኣሲሩ ንኽምለስ ገመድ ከይተረፈ ሒዙ ዝወፈረ ሓይሊ ጦር ሰራዊት ንመጀመርታ ግዜ ፊትን ግንባርን ገጢሞም፡ ብናይ ሓርነት ሃልሃልታ ለብሊቦም ኣደዳ ሞትን መቝሰልትን ኰይኑ፣ ንብረቱ ግዳይ ምርኮን ዛሕዛሕን ኰይኑ ናብ ዝተበገሰሉ ቦታ ሃዲሙ ንኽምለስ ዝተገደደሉ ቦዅሪ ዓወት ካብ ስርሒታት ሰራዊት ሓርነት ዝተረጋገጸላ መዓልቲ ነይራ።

ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ነዚ ዓወት እዚ ከመዝግብ እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሰውራኡ ዝነበሮ ምትእስሳር ድሩት፡ ዕጥቂ ተጋደልትና ኣዝዩ ኣረጊትን ውሑድን፡ ዕቤት ሰራዊትና ምስ ሰራዊት ስርዓት ሃይለስላሰ ፈጺሙ ኣብ ዘይዳረገሉ ዝነበረ እዋን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ክፍጸም ዘኽእሎ ቀንዲ ምስጢር እምበኣር፡ ብዘይካ ጽኑዕ ዕላማ ሓርነት፣ ተወፋይነትን ጽንዓትን ካልእ ኣይነበሮን።

ኣብዚ ቦዅሪ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ዘበሰረ ኵናት፡ 87 ካብ ወተሃደራት መግዛእታዊ ስርዓት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሒዞሞ ካብ ዝወፈሩ ኣጽዋር ውግእ ብርክት ዝበለ መትርየስን ጠበናጁን ተማሪኹ ንብረት ሰውራ ኰይኑ፡፡ ዓወት ብዘይ መስዋእቲ ክረጋገጽ ስለዘይክእል ድማ 17 ተጋደልቲ ብጅግንነት በጃ ዝፈትዉዋ ሃገሮምን ህዝቦምን ሓሊፎም። ድሕሪ ዓወት ኵናት ቶጎሩባ መቓልሕ ሰውራ ኤርትራ ኣብ መላእ ህዝብና ተባጽሐ፡ ህዝቢ ምስ ሰውራኡ ርኡይ ምትእስሳር ክገብር ጀመረ፡፡ ኣብ ግዳም እውን ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ክጸሓፍን ክዝርጋሕን ጀመረ። እዚ ብስራት እዚ ድማ እዩ ንሞራል መግዛእታውያን ሓይልታት ሰባቢሩ ሰውራና ብገመድ ተኣሲሮም ክመጹ ናይ ዘለዎም ውሑዳት ሸፋቱ ዘይኮነስ ህዝባዊ ቃልሲ ምዃኑ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ናጽነት ኤርትራ ከምዘይተርፍ ዘመስከረ ስርሒት ብምንባሩ ድማ እዩ ኵናት ቶጎሩባ ሓንቲ ካብ መዓልታት ሰራዊት ኤርትራ ኰይና ንኽትብዕል ዝተመርጸት። ንሓደ ተረኽቦ ከም ሃገራዊ ኮነ ውድባዊ በዓል ኰይኑ ንኽኸይድ ዝምረጸሉ ምኽንያታት ድማ እተፈጸመሉ ኵነታትን መድረኽን ኣብ ህዝቢ ዘሕድሮ ጽልዋን ተቐባልነትን እዩ ዝዕቀን።

ድሕሪ ዓወት ቶጎሩባ ዝተኻየዱ ዓበይትን ንኣሽቱን ስርሒታትን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መግዛእታውያን ስርዓታት ዘስዓብዎ ምድኻማትን ስዕረትን እኩብ ድምር ናይቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ሓባራዊ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና፡ ብረት ዓጠቕ ተጋዳላይ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፣ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፣ ሲቪል ኣዴታት፣ ኣቦታት፣ ኣሓትን ኣሕዋትን ብዘይኣፈላላይ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ናይ ኤርትራ ከተማታትን ገጠራትን፡ ዝተፈጸመ ዓበይትን ንኣሽቱን ዓወታትን፡ ብዝኸፈልዎ መስዋእትን ስንክልናን፡ ዝፈሰሰ ደምን ዝተኸስከሰ ኣዕጽምትን፡ ዘስዓቦ ብርሰትን ንድየትን ድማ እያ ኤርትራና፡ ኣብ 1991 ዓ.ም ምሉእ ናጽነታ ክተረጋግጽ ዝኸኣለት። 

ብሕጽር ዝበለ፣ ኵናት ተጎርባ ኣብ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎና ኣገዳሲ ምዕራፍ ካብ ታሪኽና ዝሕዘት ብምዃና፡ እታ መዓልቲ ኵናት 15 መጋቢት 1964 ዓመታዊ ክትዝከርን ክትከብርን ተመሪጻ። ምኽንያቱ ድማ፡

  1. ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ንኽድምስስ ተሃንዲዱ ዝመጸ መግዛእታዊ ሰራዊት፣ ብጅግንነት ገጢሞም ስለዝሰዓርዎ
  2. እቲ ዓወት ንገድሊ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ተፈላጥነትን ዕላማ ሓርነትን ኣቃሊሑ ህዝባውነት ብምንጽብራቑ
  3. ንሰውራ ኤርትራ ካብ ደረጃ ደባይ ተዋጋኢ፣ ማለት ኣጥቂዕካ ምዝላቕ፣ ናብ ደረጃ ኣትኪልካ ምውጋእ (transformed the struggle from hit and run to conventional mode of fighting) ስለዘሰጋገረ
  4. ንያትን ዓቕምን ሰውራ እናደየበ ክኸይድ ከሎ፣ ንያት መግዛእታዊ ሓይሊ ግን ብራዕዲ እናንቆልቆለን እናተነጸለን ብምኻዱ፣ ኵናት ተጎሩባ ፍልይትን ባና ናጽነት ዝወልዐትን ኰይና ትዝከርን ትኸብርን።

ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ምንታይ ኵነታት ከምዘሎ ምርኣይ’ውን ዘገድሰና እዩ።

ክብርን ዝኽርን ን8 መጋቢት መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮ ዓለም

ክብርን ማዕርነትን ንደቀ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን

ክብርን ዝኽርን ንመዓልቲ ሰራዊት ሓርነት - ኵናት ተጎሩባ

ኤርትራ ብልዑላውነታ ንዘልኣለም ትንበር

ሓቀኛ ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክትከልዩ!!!!

9 መጋቢት, 2019

መልእኽቲ በይ-አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ምልኪ የብቅዕ፣ ስልጣን ኣብ ኢድ ህዝቢ ይረከብ

መልእኽቲ በይ-አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናብ ህዝቢ ኤርትራ  ምልኪ የብቅዕ፣ ስልጣን ኣብ ኢድ ህዝቢ ይረከብ

ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-አርያ ካሊፎርንያ፤ ድርብ በዓላት 8 መጋቢት ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮን ዝኽሪ ኵናት ተጎሩባን ከኽብሩ ብ9 መጋቢት 2019 ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበር፣ ከተማ ኦክላንድ ሰፊሕ ኣኼባ ብምክያድ ንህልዊ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣልዒሎም ዕቱብን ዓሚቝን ምይይጥ ኣካይዶም።  ኣብ ኣኼባ ዝተረኽቡ ንፖሊቲካውን ማሕበራውን ብዙሕነት ኤርትራ ዝወከሉ፡ መብዝሕትኦም'ውን ኣብ ፖሊቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን እጃሞም ዘበርከቱን ገና'ውን ሃገሮም ልዑላውነታ ተኸቢሩ ክነብር ብልዑል ሃገራዊ ሕልና ዝቃለሱ እዮም።

ጽማቕ ኣብ ኣኼባ ካብ ዝተኻየደ ምይይጥ፡

ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉ ሃገራዊ ናጽነቱ መንዚዑ፡ ብረፈረንደም 99.9% “እወ ንናጽነት” ኢሉ ብምድማጽ'ውን ልዑላውነቱ ኣረጋጊጹ። ባህጉን ትጽቢቱን ድማ ስልጣን ናይ ህዝቢ ዝረጋገጸላ፥ ብፍትሕን ማዕርነትን እትመሓደር፥ ፖለቲካውን ማሕበራውን መሰላትን መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓርነታትን ናይ ህዝባ ዝረጋገጸላ ብልጽግቲ ሃገር ንምህናጽ እዩ ነይሩ። ነዚ ዘብቅዓ ዕቑር ጸጋን ዓቕምን ድማ ነይርዋን ኣለዋን።

Women Tegoruba Celebration 2019 1 1 2

ን27 ዓመታት ስልጣን ብኢሳያስ ተጨውዩ፡ ናይ ህዝብና መነባብሮ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ተቐይሩ፡ መንእሰያት ኣዋልድናን ኣወዳትናን ኣደዳ ግዱድ ባርነታዊ ደረት ኣልቦ ኣገልግሎት፡ ኣደዳ ስደትን ህልቀት ኣብ ምድረበዳን ባሕርን፡ ግዳይ ማእሰርትን ቅትለትን፡ ድሕረትን ውርደትን ተሳጢሑ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን። ኢሳያስ ብጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ፣ ዓቕሚ ህዝቢ ኣዳኺሙ ናብቲ ምቹእ እዋን ዝጽበየሉ ዝነበረ ደጕልዎ ዝጸንሐ ከዳዕ ዕላማታቱ ንምትርጓም ምዃኑ በዚ ኣብዚ እዋን’ዚ በይኑ ምስ ውሑዳት ልኡኻቱ ላዕልን ታሕትን ዝብሎ ዘሎ ምንቅስቓሳት ተጋሂዱ እነሆ። ኢሳያስ ካብ ዝሓለፈ ገበናቱ ዘይተማህረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ነታ ብመስዋእቲ ደቃ ዝተረኽበት ልዑላዊት ሃገር፡ ናብቶም ብቓልሲ ዝሰዓርናዮም ተረፍ መረፍ ጎበጥቲ ትምክሕተኛ ሓይልታት ሃይለስላሴን ደርግን ኣሕሊፉ ክህባ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ዘሎ ወቕቲ እዩ። ነዚ ዘረጋግጽ ጭብጥታት ድማ እቲ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዲስኣበባ፡ ጎንደር፡ ባህርዳርን ኣዋሳን ዝበሎ፡ “ዶብ ምሕንጻጽ ኣየድልን፣ ኣይከሰርናን፣ ክልተ ህዝቢ ዘይኰናስ ሓደ ህዝቢ ኢና፣ ክልተ ህዝቢ ኢና ዝብል እንተሎ ግን ናይ ታሪኽ ሓቅታት ዘይፈልጥ’ዩ፣ ዶክተር ኣቢይ ክትመርሓና ምሉእ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ፣ ዝብሎ ዘለኹ ድማ ንቐልዓለም ዘይኰነ፣ ካብ ልበይ እዩ፡” እንዳበለ ኣፍልቡ እንዳሃረመ ብዘሕፍር ደርጕሕዎ እዩ።

ሃገርና ብልዕልና ሕጊ ዘይኮነ፡ ብዊንታ ውልቀ-መላኺ እያ ትሕመስ ዘላ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ቅዋም፡ ሓጋጊ ባይቶ፡ ፈራዲ፡ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ትካላዊ መንግስቲ የለን።

ምስ ውጻእተኛታት ዝኣትዎ ዘይግሉጽ ናይ ሕሹኽሹኽ ውዲታዊ ውዕላት፡ ንልዑላውነት ሃገርና ናብ ሓደጋ ዘሳጥሕ ብምዃኑ፡ ህዝብና ይሻቐልን ይነዓዓብን ኣሎ።

ካብ ሕጂ ንንዮ እሱራት ፍታሕ፣ ዶብ ሓንጽጽ፣ ቅዋም ተግብር ኢልና ንዘይገብሮ ኣይክንሓቶን ኢና። ከምቲ ምስላ ኣበው ዝብሎ “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ስለዝዀነ፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ ኤርያ ኣብ ኣጋጣሚ ድርብ በዓላት መዓልቲ ደቀንስትዮን ተጎርባን፡ ብምሉእ ድምጺ “ኢሳያስ ካብ ስልጣኑ ተማሕዩ የልግስ፡ ስልጣን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ይረከቦ” ክብል ጻውዒቱ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ የመሓላልፍ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓባር ዝተቓለሰ፣ ባህጉን ዕላምኡን’ውን ሓደ ስለዝዀነ ደጊምና ብሓባር ንኸነዐውቶ ጻውዒትና ነቕርብ።

Women Tegoruba Celebration 2019 1 2 2

ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይ ውልቀ-መላኽን ጠላምን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣይኰነትን። በዚ መሰረት ንልዑላውነት ሃገር ዝደፍር፣ ንረብሓ ህዝቢ ዝሃሲ፡ ብስርዓት ኢሳያስ ዝግበር ውዲተኛ ስምምዓት ኰነ ውዕላት፡ ዘይቅቡል፣ ዘይቀያድን ዘይሕጋውን ምዃኑ ነረጋግጽ። ንፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን ንዅሎም ከባብያውን ኣህጉራውን ሓይልታት ድማ ንድሌትን ዕላማን ህዝቢ ኤርትራ ከኽብሩን ክከላኸሉን ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ኢድ ካብ ምእታው ክቝጠቡ ንላቦ።

ኤርትራ ብልዑላውነታ ንዘልኣለም ትንበር !!!

ክንዕወት ኢና !!!

ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-አርያ፣ ካሊፎርንያ

9 መጋቢት 2019