ድምጺ ኣመሪካ

ትራምፕ ንዋዛታት ፕረዚደንት ባይደን ይነቕፉ

ፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ትግርኛ 29 ሚያዝያ 2024

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 4 ሰባት ብውሕጅ ሞይቶም፡ ሕ/ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን ጽኑዕ ናይ ቪዛ ቐይዲታት የንብርን ካልኦት ዞባዊን ኣህጉራዊን ዜናታት መደብ ስፖርት ሳይንስን ቴክኖሊጅን ቻይና ናብ ዝረሓቐ ክፋል ወርሒ ክትውንጭፋ ዝመደበት መንኮርኮር ዝምልከት የጠቓልል

ንስኑዕን ግጉይ ሓበሬታ ዝቃለስ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ትካል

ዋሽንግተን — ደቡብ ኣፍሪቃ ሓዊሱ 16-ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብዘን ዝተረፋ ኣዋርሕ ዓመተ-2024 ምርጫ ከካይዳ’የን። ኣብዚ እዋን ፖለቲካዊ ዜና ንምርካብ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝበጽሑ ሰባት ንግጉይን ስንዑን ሓበሬታ ናይ ምቅላዕ ሓደጋ ከጋጥሞም’ዩ። እንተኾነ ሓደ ትካል ስነ-ምግባር ዲጂታል ዜና ጋዜጠኛታትን ተሓለቅቲን ንህዝቢ መታን ክምህሩ ነቲ ሓሶትን ግጉይን ዜና መታን ከለልዩ ንምሕጋዝ ዓሊሙ’ሎ።

ንስኑዕን ግጉይ ሓበሬታ ዝቃለስ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ትካል

ቻይና ናብ ዝረሓቐ ሸነኽ ወርሒ መንኮርኮር ክትውንጭፍ'ያ

ዋሽንግተን — ቻይና ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብቲ ዝርሓቐ ዝብሃል ደቡባዊ ሸነኽ ወርሒ፡ መንኮርኮር ክተወንጭፍ`ያ። ቻይና ንፈለማ እዋን ኣብ 2017 መንኮርኮር ካብ ተወንጭፍ ንድሓር፡ ነቲ ምስ ኣመሪካን ሩስያን ዝጸንሓ ናይ ቴክኖሎጂ ክፍተት ከተጽብቦ ጸኒሓ`ላ። እዛ ሕጂ ቻይና ትልእካ ዘላ መንኮርኮር ኣብ ወርሒ በጺሓ ክትምለስ`ዩ ተልኮኣ። ቻይና ኣብ 2020 ብዝካየደቶ ፈተነ፡ ሰብ፡-ዘይብላ መንኮርኮራ ወርሒ በጺሓ ብሰላም ክትምለስ ከምትኽእል ኣረጋጊጻ'ያ። ኣብዚ ሰሙን`ዚ ትውንጨፍ ቻንጊ-6 ትብሃል መንኮርኮር ቻይና እምበኣር፡ ናብቲ ካብ መሬት ዝርሓቐ ደቡባዊ ክፋል ወርሒ ብምብጻሕ ንምርምር ዝኸውን እምንን ሓመድን ሒዛ ክትምለስ`ዩ ተልኮኣ። እዛ ምስ መሬት ቀጥታዊ መስመር ዘይህልዋ መንኮርኮር ኣብ ህዋ ን53 መዓልታት ኣብ ትጸንሓሉ እዋን፡ ተልእኮኣ ንክትፍጽም፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ዝዘውር ዘሎ ሳታላይታት ክትውከል'ያ። ካብ ወርሒ ናብ መሬት ክትምለስ ከላ ድማ በቲ “ሕቡእ” ዝብሃል ሸነኽ ወርሒ እያ ክትሓልፍ። ቻይና ዝመጽእ ዓመተ-2026 ከምኡ`ውን 2028 ተመሳሳሊ ተልኮታት ቻንጊ-7ን ቻንጊ-8ን ኣብ ትውንጭፈሉ እዋን`ውን ነቶም ኣቐዲሞም ኣብኡ ዝጸንሑ ሳታላይታት እያ ክትጥቀም። ዕላምኣ ድማ ኣብቲ ደቡባዊ ጫፍ ዝብሃል ክፋል ናይ ወርሒ፡ ማይ ኣሎ እንተኾይኑ ንምርኣይን፡ ምስ ሩስያ ሓደ መደበር ጠፈር ንምምስራትን`ዩ። ዕላማ ቻይና ክሳብ 2030 ኣብ ወርሒ ሰብንምስፋር'ዩ። በይጂንግ ናብቲ ማይ ኣለዎ ዝብሃል ደቡባዊ ሸነኽ ወርሒ ትገብሮ ዘላ ህንጡይነት ንኣመሪካ ኣሻቒልዋ`ሎ። ኣመሓዳሪ ማእከል ምርምር ጠፈር(ናሳ) ቢል ነልሰን፡ ቻይና ኣብ ወርሒ ዝረኸበቶ ማይ ብዋንነት ክትሕዞ ትኽእል`ያ ክብል ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቑ`ዩ። በይጂንግ ግን ናይ ሓባር መጻኢ ኣብ ምህናጽ ምስ ኩለን ሃገራት ክተሓባበር ቅርብቲ`የ ትብል። ቻንጊ-6 ብፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ስዊድንን ፓኪስታንን ዝተመወለ ዝተፈላለዩ ጽዕነታት ሒዛ እያ ክትከይድ። ዓይነት ናይቲ ተኸፊልሉ ዝጸዓን ንብረት ግን ኣይትገልጸን። ዝበዝሕ ግዜ ግን ካመራታትን ካልእ ዳታ ንምእካብ ዘገልግል ቴክኖሎጅን`ዩ ምስ መንኮርኮር ተሓንጊሩ ዝኸይድ። ዝመጽእ ዓመተ 2026 ኣብ ትውንጨፍ ቻንጊ-7 ድማ ቻይና ናይ ሩስያ፡ ስዊዘርላንድን ታይላንድን ንብረት ክትጽዕን መደብ ኣለዋ። `ናሳ`  ምስ ቻይና ዝኾነ ምትሕብባር ከይገብር ብሕጊ ኣመሪካ ክልኩል`ዩ። ብናሳ ዝምራሕ `ኣርተሚስ` ዝብሃል ፕሮግራም ግን ኣብ 2026 ኣብ ደቡባዊ ወርሒ ኣስትሮናት ከስፍር መደብ ኣለዎ። “ ኣህጉራዊ ምትሕብባር ኣብ ዳህሳስ ወርሒ ኣዝዩ ኣገዳሲ`ዩ" ዝብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖተር ዳም ፕሮፈሰር ፕላነትን ስነ-ምድሪን ክሊቭ ኒል፡ "ቻይናን ኣመሪካን ግን ኣብዚ እዋን`ዚ ኣይተሓባበራን`የን ዘለዋ፡ ክትሓባበራ ተስፋ እገብር” ይብል። እቲ ደቡባዊ ክፋል ንዳህሳስ ወርሒ ወርቃዊ ቕናት ተባሂሉ ይግለጽ። ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ዓሙቕ  ወይ ሃጓፍ ቦታ፡ ማይ ከምኡ `ውን በረድ ኣለዎ ተባሂሉ`ውን ይእመን። ኣብቲ ከባቢ በረድ ምህላዉ ድማ፡ ቀጻሊ መጽናዕቲ ንምክያድ ከም ዝጥዕምን ካብ መሬት ዝግዓዓዝ ክቡር መሳርሕታት ከድሕን ከም ዝኽእልን ይግመት። ህንዲ ብወገና ኣብ 2008 ብዝወንጨፈታ ቻንድራያን ዝተጸውዐት መንኮርኮራ ኣብ ውሽጢ`ቲ ዓሙቕ  ከባብታት ደቡብ ወርሒ፡ በረድ ከም ዘሎ ኣረጋጊጻ`ያ። ሕጂ ቻይና ትልእካ ዘላ ቻንጊ-6 ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ፈላማይ እዋን ዝነበረ ኣፈጣጥራ ወይ ኣመዓባብላ ወርሒን፡ ውሽጣዊ ስርዓት ኣካላታን ሓዲሽ ሓበሬታ ክተምጽእ ትጽቢት ዝግበረላ`ያ። ኣብቲ ርሑቕ ጫፋት ወርሒ፡ ምንቅስቓስ ናይ ቮልካኖ ዘይምንባሩ፡ ብፈሳሲ ላቫ ማለት ዝመኸኸ ከውሒ ዘይተሸፈነ ሃጓፋት ክፍጠር ከም ዝገበረን፡ እዚ ማለት ድማ ነቲ ኣብ እዋን ምፍጣር ወርሒ ዝነበረ ነገራት ክዕቀብ ከም ዝሓገዘን ይግለጽ። ክሳብ ሎሚ ብኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ኣብ 1970`ታት ከምኡ ድማ ብቻይና ኣብ 2020 ዝተኻየዱ ዳህሳሳትን ዝተወስዱ መርኣያታትን ካብቲ  ንመሬት ዝቐረበ  ናይ ወርሒ ሸነኽ`ዩ ኔሩ። ንሱ ድማ ንጡፍ ቮልካኖ ዝነበረሉ ከባቢ ምዃኑ`ዩ ይግለጽ። እዛ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ደቡባዊ ጫፍ ወርሒ ትጉዓዝ ቻንጊ -6 ዝተባህለት መንኮርኮር እምበኣር፡ ኣብ ወርሒ ብዓወት እንተዓሊባ፡ ብመካኒካዊ መኹዓትን መግሓጥን ተጠቒማ 2 ኪሎ ግራም ዝምዘን መርኣያ ዝኸውን ነገራት ኣኪባ ክትምለስ ኣካል ተልእኮኣ`ዩ።      

▶ቻይና ናብ ዝረሓቐ ሸነኽ ወርሒ መንኮርኮር ክትውንጭፍ'ያ

ቻይና ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብቲ ዝርሓቐ ዝብሃል ደቡባዊ ሸነኽ ወርሒ፡ መንኮርኮር ክተወንጭፍ`ያ። ቻይና ንፈለማ እዋን ኣብ 2017 መንኮርኮር ካብ ተወንጭፍ ንድሓር፡ ነቲ ምስ ኣመሪካን ሩስያን ዝጸንሓ ናይ ቴክኖሎጂ ክፍተት ከተጽብቦ ጸኒሓ`ላ። እዛ ሕጂ ቻይና ትልእካ ዘላ መንኮርኮር ኣብ ወርሒ በጺሓ ክትምለስ`ዩ ተልኮኣ። ቻይና ኣብ 2020 ብዝካየደቶ ፈተነ፡ ሰብ፡-ዘይብላ መንኮርኮራ ወርሒ በጺሓ ብሰላም ክትምለስ ከምትኽእል ኣረጋጊጻ'ያ።

ኣዲስ ኣበባ -- ሓደጋ ውሕጅ 4 ሰባት ቀቲሉ

ኣዲስ ኣበባ — ሎሚ፡ 21 ሚያዝያ፣ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ክፍለ ከተማ ቦሌ ብዝወቐዐ ሓያል ዝናብ ህይወት 4 ሰባት ምሕላፉ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ቤት ፅሕፈት ኣካያዲ ስራሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ እቲ ሎሚ ንግሆ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ፣ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ፣ ወረዳ 11፣ ፍሉይ ሽሙ ወረገኑ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኣዲስ አበባ፣ ንማስተር ፕላን ዘይሓለዉ ኣብ ወሰን ሩባታት ዝህነፁ ኣባይቲ፣ ንሓደጋ ውሕጅ ዝተቓልዑ ስለዝኾኑ፣ ነዚኦም ንምዕራይ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ሓቢሩ። እቲ ሕብረተሰብ ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ድማ ምዒዱ።    

ሚ/ጉ/ወ ኖርወይ ንግብረመልሲ ዓለም ኣብ ኵናት ቓዛ ነቒፎም

ዋሽንግተን — ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኖርወይ ምዕራባዊያን ሃገራት ነቲ ኣብ ቓዛን ዩክሬንን ይፍፀሙ ዘለው ምጥሓስ ዓለምለኸ ሕጊ ዘይቃዶ ምላሽ ይህባ ኣለዋ ክብላ ነቒፎም። ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ንኻልኣይ መዓልቲ ይካየድ ኣብዘሎ መድረኽ ዓለምለኸ ቁጠባ ዝተዛረቡ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኖርወይ ኤስፐን ባርት ኤይድ "ሎሚ ኣብ ትካላትና ዓሙቕ ቅልውላው ተኣማንነት ኣሎ። ንቓዛ ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ክወሃብ ኣይረኣናን’’ ኢሉ። "ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ ሩሲያ ኣብ ዩክሬን ንዝፈፀመቶ መግሃስትታት ብቐሊሉ ዝተጠቐምሉ ቋንቋ ምጥሓስ ዓለምለኸ ሕጊ  ኣብ ቓዛ ክኸውን ከሎ ግን ሰጋእ መጋእ ክብሉ ንሪኢ ኣለና’’ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም "እስራኤል እተካይዶ ዘላ ኲናት ንዓለምለኸ ልምድታት ዘይተኸተለን ፀገም ዘለዎን እዩ። ብዛዕባ እዚ እንተድኣ ዘይተዛሪብና ንናይ ዩክሬን ስነ መጎትና ዝጎድእ እዩ’’ ኢሎም። ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅመር ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ  ዘካይድዎ ዘለው ሻውዓይ ዙር ምብጻሕ ሎሚ ሶኑይ  ብስዑዲ ዓረብ ጀሚሮም ኣለው።  

ሕ/ኣውሮጳ ንኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝወሃብ ቪዛ ቐይዲታት የጽንዕ

ዋሽንግተን — ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ኢትዮጵያ ቪዛ ንዝሓቱ ዜጋታት ጽኑዕ መስርሕ ክህልው ምውሳኑ ኣፍሊጡ። ሕብረት ኣውሮጳ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈ ኢትዮጵያ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገን ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ብዝምልከት "እኹል ምትሕብባር" ብዘይምርኣያ ከምዝኾነ ይሕብር። እዚ ውሳነ ኢትዮጵያዊያን ቪዛ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ንምርካብ ዘድልዮም መማልኢ ሰነድ ብዝምልከት ንዝነበሮም ውሑድ ቕይዲታት ዘስእን'ዩ፡ ብተወሳኺ ዝወሃብ ዝነበረ ተደጋጋሚ መእተዊ ፍቓድ ዝክልኽልን ዲፕሎማት ናብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ክገሹ ምስ ዝደልዩ ክፍሊት ቪዛ ክኸፍሉ ዝብል ይርከቦ። ኢትዮጵያዊያን ቪዛ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ንምርካብ ዝወስድ ዝነበረ ጊዜ ድማ ካብ 15 መዓልታት ናብ 45 መዓልታት ክብ ምባሉ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ተወሳኺ ቐይዲታት ኣብ ምሃብ ቪዛ ዝብል ውሳነ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ አካል'ቲ ዋሕዚ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ንምእጋት  ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲታት ምዃኑ'ውን ይሕበር። ኣብ መጀመሪያ እዚ ወርሒ ኣባላት ፖርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተመሓየሽ ስርዓት ስደተኛታት ኣፅዲቖም እዮም። እቲ ደጋፊ ማእኸል ፖለቲካ ሕብረት ኣውሮጳ ከምዝበሎ እዚ ንቁፅሪ ብዘይሕጋዊ ሰነዳት ንዝኣትው ስደተኛታት ዝንኪ እዩ።

ስግኣትን ተስፋን ማሕበረሰባት ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን

ዋሽንግተን — ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስን ወረዳታት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ነበርቲ ኣብ ስግኣት ከምዝርከቡ ነበርትን ኣመሓደርቲ ወረዳታትን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ንሶም ወሲኾም ኢትዮጵያዊያን ብግዲ ኤርትራዊያን ንክኾኑ ይግደዱ ኣለው  ይብሉ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ወረዳ ኢሮብ ጠቕሊሎም ብምውፅኦም ህዝቢ ኢሮብ ኣብ ዝለዓለ ስግኣት  ምውዳቖም ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ይገልፁ። ብሚንስትሪ ሓበሬታ ኤርትራ  "ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ምንቅጥቃጥ ምድሪ እውን ብዘይቅይሮ መገዲ ተመልኪቱ’ዩ’’ ዝብል ሓተታ ኣውፂኡ ኣሎ። ሓደ ብህዝቢ  ኢሮብ ዝተወከለ 12 ኣባላት ዝሓቖፈ ግዚያዊ ኮሚቴ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን  ምስ ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶ\ር ኣብርሃም  በላይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ብዛዕባ "ሃለዋቱ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ኣንፀላሊዩዎ ኣሎ’’ ዝበሉዎ ብሄረሰብ ኢሮብ ምዝታዮም ሓደ ኣባል እቲ ኮሚቴ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፁ። ንኣመሓደርትን ነበርትን ወረዳታት ጉለ መኸዳን ኢሮብን፣ ንመግለፅታት መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምጥቓስን ብዛዕባ እቲ ዞባ ኣፍልጦ ንዘለዎም ተንተንቲ ብምዝርራብ ዝተዳለወ ፕሮግራም ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።  

ፈነወ ትግርኛ ሰንበት

ድምጺ ኣሜሪካ ፈነወ ቛንቛ ትግርኛ ካብ ሶኑይ ክሳብ ሰንበት ይፍነው። ፈነወ ቛንቛ ትግርኛ ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ብዕለታዊ ዜና ይጅምር፥ እዋናዊ ጉዳያትን ሰሙናዊ መደባት'ውን የጠቓልል ።ቀዳምን ሰንበትን ኣብቲ ሰሙን ዝተፈነው መደባት ብምድጋም ፈነወ ቛንቛ ትግርኛ ይኻየድ።

ፈነወ ትግርኛ ቀዳም

ድምጺ ኣሜሪካ ፈነወ ቛንቛ ትግርኛ ካብ ሶኑይ ክሳብ ሰንበት ይፍነው። ፈነወ ቛንቛ ትግርኛ ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ብዕለታዊ ዜና ይጅምር፥ እዋናዊ ጉዳያትን ሰሙናዊ መደባት'ውን የጠቓልል ።ቀዳምን ሰንበትን ኣብቲ ሰሙን ዝተፈነው መደባት ብምድጋም ፈነወ ቛንቛ ትግርኛ ይኻየድ።

ፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ትግርኛ 26 ሚያዝያ 2024

ፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ትግርኛ 26 ሚያዝያ 2024 ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ምትፍናን ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ብዘተ ክዓርፍ ይጽውዕ ስድራቤት እሱራት ወተሃደራት ደሃይ ይሓቱ፡ መላሲ ግን የሎን ርኽብ ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት ቻይና

መግለጺ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ዕፈና መደባት ኣብ በርኪናፋሶ

ዋሽንግተን — ሰብ-መዚ በርኪናፋሶ ካብ ትማሊ ሓሙስ 25 ሚያዝያ ጀሚሮም ናብታ ሃገር ዝቐንዐ ፈነወ መደብ ቋንቋ ፈረንሳን ባምባራን ንኽልተ ሰሙንኣጊዶም ኣለዉ። እዚ ድማ ዝርጋሐ መርበብ ሓበሬታ ክጎድል፡ ኣብ ትሕዝቶ ድማ ቅድመ-ምምያ ክግበርን ዝፍትን’ዩ። ምኽንያት ናይዚ ዝሓለፈ መምርሒ ብሰራዊት በርኪናፋሶ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዜጋታት ድሕሪ ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ጥሕሰት ድሕሪ ምጽብጻቡ’ዩ። “ናብ በርኪናፋሶ ዝቐንዐ ሸፈነና፡ ናጻን ርትዓዊን ጌርና ክንቅጽል ኢና፡” ይብል ግዜያዊ ዳይረክተር ድምጺ ኣመሪካ ጆን ሊፕማን። ንሱ ወሲኹ “ድምጺ ኣመሪካ ንመትከላት ጋዜጠኝነትን ርትዓዊን ዘይሻራዊን ሸፈነ ብግቡእ እትከታተል’ያ። መንግስቲ በርኪናፋሶ ድማ ነቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ክቕልሶ ንሓትት፡” ኢሉ። ሊፕማን ወሲኹ "ዓለም መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ንምዝካር ኣብ ትዳለወሉ፡ ናጻን ዝርግሓ ሓበሬታን ዜናን ንምዕጋት ዝተወስደ እዚ ዳሕረዋይ ስጉምቲ ነቲ ድምጺ ኣመሪካ ትኽተሎ መሪሕ 'ናጻ ፕረስ ኣድላዪ'ዩ' ዝብል ቴማ ሓደ ምኽንያት'ዩ፡" ኢሉ። ብመሰረት ኣብ 2020 ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ድምጺ ኣመሪካ ናብ 14.3 ሚእታዊት በርኪናውያን ይበጽሕ።

ኣመሪካ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክ ቶክ ዘሕለፈቶ ውሳነ

ብድሆታት ጥዕና ስነ ኣእምሮ ኣብ ስደተኛታት

ዋሽንግተን — ኣብ ካናዳ ትኹረት ብምግባር ኣብ ኩነታት’ቶም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ካብ ኤርትራ ናብ ምዕራባዊ ዓለም ዝሰደዱ መንእሰያትን ዘጋጥሞም ብድሆታት ብፍላይ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ብዝተሓሓዝ ክኢላታት ጥዕና ስነ- ኣእምሮ ካብ ካናዳ ኣቶ ዮሃንስ ፈርናንዶ ድራርን ኣቶ ኣቤል መድሃኔ ገ/የሱስ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

ብድሆታት ጥዕና ስነ ኣእምሮ ኣብ ስደተኛታት

ኣብ ካናዳ ትኹረት ብምግባር ኣብ ኩነታት’ቶም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ካብ ኤርትራ ናብ ምዕራባዊ ዓለም ዝሰደዱ መንእሰያትን ዘጋጥሞም ብድሆታት ብፍላይ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ብዝተሓሓዝ ክኢላታት ጥዕና ስነ- ኣእምሮ ካብ ካናዳ ኣቶ ዮሃንስ ፈርናንዶ ድራርን ኣቶ ኣቤል መድሃኔ ገ/የሱስ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

ስድራቤት እሱራት ወተሃደራት ደሃይ ይሓቱ፡ መላሲ ግን የሎን

ኣዲስ ኣበባ — ምስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ካብ ፈለማ እቲ ኲናት ኣትሒዞም ዝተኣስሩ ተወላዶ ክልል ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ፡ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኰይኑ ደሃዮም ከም ዘይብሎም ስድራቤቶም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ብመሰረት ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ክፍትሑ ዝነበሮም ተስፋ’ውን ዛጊት ከም ከምዘይተማልአ ይገልጹ። “ሂዩማን ራይትስ ፈርስት” ዝተባህለ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ብወገኑ፡ ክሳብ ሐዚ 154 ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ 16 ኣብያተ ማእሰርቲ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ይብል። 

ስድራቤት እሱራት ወተሃደራት ደሃይ ይሓቱ፡ መላሲ ግን የሎን

ምስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ካብ ፈለማ እቲ ኲናት ኣትሒዞም ዝተኣስሩ ተወላዶ ክልል ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ፡ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኰይኑ ደሃዮም ከም ዘይብሎም ስድራቤቶም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ብመሰረት ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ክፍትሑ ዝነበሮም ተስፋ’ውን ዛጊት ከም ከምዘይተማልአ ይገልጹ። 

ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲታት ዓለም ንፍልስጤማውያን ዝድግፉ ሰልፍታት  ቀጺሉ ውዒሉ

ዋሽንግተን — ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲታት ዓለም ንፍልስጤማውያን ዝድግፉ ሰልፍታት  ቀጺሉ ውዒሉ።  ቅድሚ መዓልታት`ውን ተመሳሳሊ ሰልፍታት ኣልዒሎም ብፖሊስ ተበቲኖም ዝነበሩ፡ ሕጂ ድማ በቲ ኣብ ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ሰልፍታት ተተባቢዖም ዳግም ናብቲ ተቓውሞ ተመሊሶም ይብል ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ። ዕላምኦም ምስ ቓዛ ዘለና ሓድነት ንምርኣይ ዝብል`ዩ።  በቲ ኣብ ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ከም ዝተተባብዑ ዝገልጹ ገለ ተመሃሮ ፓሪስ፡ "ልዕሊ ኩሉ ግን ሓድነትና ምስ ህዝቢ ፍልስጢኤም`ዩ" ኢሎም። ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ`ውን ኣብ ዝተፈላለያ ዩንቨርሲታት ንጉዳይ ፍልስጤማያን ዘጉልሕ ሰልፍታት ዝቐጸለ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ኒው-ዮርክ ኣብ ዝርከብ ኮሎምቢያ ዩኒቨርሲቲ ተመሃሮ ንልዕሊ 10 መዓልታት ኣብ ካምፓስ ተኣኪቦም ኣንጻር ኲናት እስራኤል-ሓማስ ተቓውሞታቶም ምስማዕ ቀጺሎም ኣለዉ። እቲ ተቓውሞታት ካብ ካሊፎርንያ ክሳብ ከነኒከት ዝሰፍሐ`ዩ። ኣብ ዝፈላለዩ ዩኒቨርሲታት ኣመሪካ ብኣማኢት ዝቑጸሩ  ተመሃሮ ብፖሊስ ተኣሲሮም። ኣብ ገለ ዩኒቨርሲቲታትእውን ጎንጺ ምስ ፖሊስ ተራእዩ ዩ።

Powered by RSS 2 HTML