BBC ናይ ውሽጢ ዓዲ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ ምስ ኣምሓራ ዘዋጥጡ ዘለው ከባቢታት እንታይ ኢሉ?

ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ንመስርሕ ትግበራን ኣፈጻጽማን ውዕል ፕሪቶሪያ ኣመልኪቱ ሎሚ ረቡዕ ንማዕከናት ዜና እታ ክልል መግለጺ ሂቡ። ምስ ሰብመዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓለፍቲ መንግስትን ንክልተ መዓልታት ዝቐጸለ ዝርርብ ምርኩስ ገይሩ መግለጺ ዝሃበ ኰይኑ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተበጽሐ ስምምዓት ኣፈጻጽማኡ ዝምልከት ብግዜ ሰሌዳ ኣነጺርናዮ ኣለና ኢሉ።

ኢትዮጵያ ብዛዕባ ሕብረት ኣውሮጳ ዘንበሮ ግዝያዊ እገዳ ቪዛ እንታይ ትብል?

ኢትዮጵያ በቲ ሕብረት ኣውሮጳ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትው ዜጋታቱ ንምቕባል ዝገበሮ ምትሕብባር ትሑት’ዩ ብምባል ዘንበሮ እገዳ ቪዛ ከም ዝሓዘነት ገሊጻ።

ብሪጣንያ፡ ሕቶኡ ዝተነጽገ ፈላማይ ስደተኛ 'ብወለንታኡ' ሩዋንዳ ኣትዩ

ነዚ ውጥን እትነቅፍ ተመዓዳዳዊት ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ኢቨት ኩፐር ግን፡ ብዛዕባ ወለንታዊ ምምላስ ስደተኛታት ዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ መንግስቲ እታ ሃገር “ከባቢያዊ መረጻታት ቅድሚ ምጅማሮም ድሮ ሓደ ሰብ ናብ ሩዋንዳ ንምስዳድ ገንዘብ ከፊሉ ኣሎ” ክትብል ነቒፋ።

ትግራይ፡ ሓረስቶት ራያ ንፍርያቶም ዕዳጋ ዝሰኣንሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

እዞም ኣብ ወረዳታት ራያ ጨርጨርን ራያ ዓዘቦን ዝርከቡ ሓረስቶትን ኣውፈርትን፡ ካብ መጋቢት ክሳብ ሚያዝያ ዕዳጋ ብምስኣኖም፡ ፍርያቶም ክጕሕፍዎ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮም። ኣብቲ ክልል ኣብዚ ዓመት ሰፊሕ ሽፋን ልምዓት መስኖ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ዋጋ ኮሚደረ ድሕሪ ምኽባሩ እዮም ብዙሓት ሓረስቶት ኮሚደረ ናብ ምፍራይ ኣትዮም ጸኒሖም።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሸቃሎ ስለ ምንታይ ሓደ ግንቦት ይዝከር?

ብዙሓት ሃገራት: ኣብ ሕሉፍ ‘መይ-ደይ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሸቃሎ የኽብራ እየን። በዚ መሰረት፡ ወትሩ ሓደ ግንቦት ድማ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ዘካየድዎ ታሪኻዊ ቃልስን ዝተረኽበ መኽሰብን ንምዝካር ይደልያ።

ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ሎተሪ ዝበጽሖ ብሕማም መንሽሮ ዝሳቐ ስደተኛ

ኣብ ታሪኽ ናይቲ ሎተሪ፡ እዛ ቲኬት ብዕብየታ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ትስራዕ ኮይና፡ እቲ ዝዓበየ ኣብ 2022 ዝተዋህበ 2.04 ቢልዮን ምንባሩ ይፍለጥ።

'ኣኽላባት ናብ ሲነማ ምውሳድ ንዓና ብዙሕ ትርጕም ኣለዎ'

እቲ ንመፈተኒ ተባሂሉ ወነንቲ ኣኽላባት ምስ ኣኽላባቶም ፊልም ንኽርእዩ ዘፍቀደ ሲነማ-ሲቲ ብምሉኦም ቲኬታት ክሸይጥ ብምኽኣሉ ኣዕጋቢ ውጽኢት ኣርእዩ ኣሎ።

ውጥን ሩዋንዳ፡ ክስጎጉ ዝተበሃሉ ሓተትቲ ዑቕባ ይሃድሙ ኣለዉ ድዮም?

ብመሰረት እቲ ውጥን ኣብ መጀመርታ 5,700 ሓተቲ ዑቕባ እዮም ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ መደብ ተታሒዙ ነይሩ። ይኹን’ምበር ካብኣቶም እቶም 3,557 ደሃዮም ክርከብ ከምዘይከኣለ ሰነዳት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት የመልክቱ። ብመሰረት እቶም ሰነዳት፡ እቶም ደሃዮም ንቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፍሊጦም ናብ መዳጎኒ ክኣትዉ ዝኽእሉ 2,143 ሓተቲ ዑቕባ ጥራይ እዮም።

ኢሰማኮ፡ ብሰንኪ ዝቕጽሉ ዘለው ግጭታት 'ሸቃሎ ኣብ ቅልውላው ወዲቘም' ኢሉ

ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 49 ግዜ ዝኽበር መዓልቲ ሸቃሎ፡ ብምኽንያት “ጸገም ጸጥታ” ካብ ከተማታት ባህርዳርን ኮምቦልቻን ወጻእ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እታ ሃገር “ኣብ ኣዳራሽ” ክኽበር እዩ።

ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝተኻየደ ማእሰርቲ ወንጌላውያን ኣመንቲ

ሰብመዚ ኤርትራ ብዛዕባ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ቀይዲ ዘእትውዎም ዜጋታት ውግዓዊ መግለጺ ይኹን ሓበሬታ ከምዘይህቡ ይፍለጥ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘቕረቦ መጽዋዕታ፡ ሰብመዚ ኤርትራ ንኹሎም እቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ዝሰወርዎም ሰባት ክፈትሕዎም፡ ኣበይ ከምዘለዉ፡ ብዛዕባ ሃለዋቶም፡ ከምኡ'ውን ኩነታት ጥዕንኦም ክሕብሩን ሓቲቱ ነይሩ።

Powered by RSS 2 HTML